Friday , May 10 2024
Credit: Anders Wiklund/TT

ኣብ ሽወደን ዝወሃብ ዘሎ ሰዓታት ምህሮ “ቋንቋ ምልክት” እዂል ኣይኮነን ተባሂሉ።

ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ህጻናት ሽወደን፡ ወለዶም ናይ ብ “ስርዓተ ክንክን ጥዕና” ናይ 240 ሰዓታት ትምህርቲ “ቋንቋ ምልክት” ክወስዱ ከም እተገብረ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና፡ ኤጀንሲ ፍሉያት ጠለባት ትምህርቲ እዚ ኣዂል ኣይኮነን፡ ወለዲ ዝያዳ ሰዓታት ትምህርቲ “ቋንቋ ምልክት” የድልዮም እዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ኣብ ኖርወይ፡ ወለዲ ክሳብ 1600 ሰዓታት ዝኸውን ትምህርቲ “ቋንቋ ምልክት” ከም ዝወስዱ እቲ ኤጀንሲ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ኣብ ሽወደን 240 ሰዓታት ጥራይ ይወሃብ ምህላዉ ቅኑዕ ኣይኮነን ክብል ነቒፉ’ሎ።

ካብ እትውለድ ኣትሒዛ ጓላ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዋ ከርስቲን ኣሳ “ቋንቋ ምልክት ክሳብ ሕጂ ክመልኮ ኣይከኣልኲን ኣለኹ” ክትብል ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበራ ጻንሖት ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com