Sunday , April 28 2024
Credit: Henrik Dammberg / Sveriges Radio

ኣብ ሽወደን ገለ ግዱድ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክተኣታቶ እዩ።

ኣብ ሽወደን ገለ ግዱድ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክተኣታቶ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። እዚ ኣገልግሎት፡ ኣብ መድሕን ፡ ክንክን ጥዕናን ካልእን ብምውፋር ኣብ እዋን ቅልውላው ይዂን ኲናት፡ ገለ ክፋላት ሽወደን ከይተሸገሩ ህይወቶም ክቕጽሉ ንምግባር ክውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ። እንተኾነ ግና፡ ኣብ ዓመታት 1995-2008፡ ካብቶም ክንዲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዝመረጹ 17,000 ሰባት፡ እቶም 40 ጥራይ ንጡፍ ህዝባዊ ኣገልግሎት ይህቡ ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

ቅድሚ ሕጂ ምስ መጥፋእቲ ሓዊ ዝሰርሑ ሰባት ኣብዚ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክምዝገቡ ከም ዝደሊ ኣብ ዮንሾፒን ምክትል ሓላፊ መድሕን ጎረን መሊን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com