Saturday , April 27 2024

ኣብ ቡትሺርካ፡ ኖሽቦሪ፡ ጓል 12 ዓመት ብጥይት ተቐቲላ

ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ስቶክሆልም ቡትሽርካ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዛጊት መንነቶም ብዘይተረጋገጸ ሰባት ብዝተኸፍተ ተኩሲ ሂወታ ከምዝሳኣነትን፡ ኣብቲ ከባቢ ዓቢ ቁጠዐን ስንባደን ፈጢሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ፖሊስ ብምጥቃስ ዝፍነዉ ዘሎዉ ሓበሬታት ኣረጋጊጾም።
እታ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ብመንን ስለምንታይን ከምዝተቐትለትን በዚ ዓቢ ገበን ዝሕተቱ ሰባት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ንምእታው፡ ፖሊስ ሽወደን ፍሉይ ፍጻመ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣገባብ ብምቛም መርመራ የካይድ ከምዘሎ ይሕበር።
ብመሰረት ሎሚ ዝተፈነወ ሓበሬታ ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ንዝተፈጥረ ስንባደ ስግኣትን ነባሮ ብምትህድዳእ፡ መርመራ ፖሊስ ብጽቡቕ ኩነታት ይቕጽል ከምዘሎን ብዙሓት ኣገደስቲ ጭብጥታት ተኣኪቦም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com