Monday , April 29 2024
A man is sentenced to forensic psychiatric care after the school attack in Varberg. Foto Björn Larsson Rosvall / EXPONERA. COPYRIGHT SCANPIX SWEDEN kod 9100

ኣብ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብኣይ፡ ናብ ሕክምና ስነ ኣእምሮ ተላኢኹ

ፋስን ካራን ሒዙ፡ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምእታው ስዒቡ፡ ሓደ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ቀሊል ጉድኣት ዘብጸሐ ሰብኣይ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናይ ኣእምሮኣዊ ክንክን ንኽግበረሉ ናብ ሕክምና ንኽውሰድ ተወሲኑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ወዲ 30 ዓመት ዝኾነ ሰብኣይ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቮርበሪ ዝርከብ ኣብ ሓደ ናይ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብፈተነ-ቕትለት፡ ኮነ ኢልካ ዝግበር ናይ ንብረት ምቅጻል ገበን፡ ከምኡ’ውን ብንብረት ምዕናው ተኸሲሱ ገበነኛ ተባሂሉ ተፈሪዱ ዝነበረ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ነዞም ገበናት ዝዋሃብ መቕጻዕቲ ድማ ሞጎታዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓልዮት (forensic psychiatric care) ምስ ፍሉይ ዝኾነ መፋነዊ መርመራ (special discharge test) ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ኣኽባሪ ሕጊ; ኣብ መጀመርታ፡ እቲ ክሱስ ናይ 12 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረድ ሕቶ ኣቕሪቡ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ሰብኣይ፡ ሞጎታዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ መርመራ ምስተገብረሉ ጽኑዕ ዝኾነ ሕማም ናይ ኣእምሮኣዊ ምዝባዕ (mental disorder) ከምዘለዎን ከምኡ ድማ ነሱ ነቶም ዝተጠቕሱ ወንጀላት ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይዚ ኣእምሮኣዊ ምዝባዕ ከሎ ዝፈጸሞም ምዃኖም ድሕሪ ምቅላሑ፡ እቲ ውሳነ ከምዝተቐየረ  SVT ሃላንድ ጸብጺቡ።

ኣኽባሪ ሕጊ፡ ሄንሪክ ኪንድሉንድ፡ ብውሳነ ናይቲ ቤት ፍርዲ ዝዓገበ ኮይኑ፡ ይግባይ ከምዘይሓትት ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ በቲ ንሕና ዘቕረብናዮም ክሲታት መሰረት፡ እቲ ዝግባእ ውሳኔ ስለዝወሰነ ብርግጽ ንሕና በዚ ፍርዲ ዕጉባት ኢና። ኣብ ዝሓለፉ እዋናት፡ ንሕናን እቶም ጠበቓታቱን ሞጎታዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክትትል እቲ ቅኑዕ መቕጻዕቲ ከም ዝኾነ ተሳማሚዕናሉ ኔርና ኢና” ክብል ንዜና ማዕከን ተተ ሓቢሩ።

እቲ ውልቀ-ሰብ፡ ብዕለት 28 ጥሪ 2021 እዩ ካራን ፋስን ተዓጢቑ ምስ ቁራዕ ርእሲን ናይ ገጽ መሸፈንን ሙሉእ ናይ ሰራሕተኛ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ናብቲ ኣብ ቮርቦሪ ዝርከብ 2ይ ደረጃ ቤት ትመህርቲ ዘምረሐ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ዘጋጠመ ፈጻመ ድማ፡ ሓደ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ጉድኣት ከምዝበጽሖ ይዝከር። እቲ ሰብኣይ ብወለንትኡ ካብቲ ቦታ ምስ ወጸ፡ ንሱ ሒዝዎ ዝነበረ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝተባህለ ሞሎቶቭ ኮክተይል (Molotov Cocktail) ዝባሃል ናይ ተተኳሲ ዓይነት ከምዝተረኽበ ይዝከር።

ቅድሚ’ዚ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ሓደ እንዳ ጓሓፍ ዝርከብ ክፍሊ፡ ሓዊ ብምቅጻል ኣብቲ ቦታ ባርዕ ክጅምር ፈቲኑ ዝብል ጥርጣረታት ከምዝነበረ እዩ ዝንገር።

ብተወሳኺ እቲ ቤት ፈርዲ እቲ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ 13 ሰባት ንዘብጸሖ ጉድኣት ንሓድሕዶም ዳርጋ 100,000 ክሮኖር ዝበጽሕ ገንዘብ ንዕኦምን ነቲ ኣባይቲ ዝሃንጽ ኩባንያን ንክኸፍል ከምዝፈረዶ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com