Tuesday , April 30 2024
The explosion outside the police building in Helsingborg in 2017 caused great devastation. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፡ ብዘጋጠመ ነትጒ፡ 3 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም

እቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሄልሲንቦሪ ዘጋጠመ ነትጒ ዘስዓቦ ሓያል ዕንወት፡ ልዕሊ 4 ዓመታት ኣቑጺሩ ከምዘሎ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስ’ዚ መጥቃዕቲ ብዝተተሓሓዘ ኢድ ኣለዎም ብዝብል ጥርጣረታት፡ 3 ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለው ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቶም ሰለስተ ሰባት፡ ደቂ 23፡ 26ን ኮምኡ ድማ 32 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኮይኖም፡ ቅሉዕ ህዝባዊ ዕንወት ፈጺምኩም ብዝብል ከምኡ ድማ ነቲ ‘ሕጊ ናይ ተቓጸልትን ነቶግትን ኣቕሑት’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕጊ ጥሒስኩም ዝብሉ ክስታት ቀሪብሎም ከምዘሎ ኣኽባሪ ሕጊ ቤት ፍርዲ ሄልሲንቦሪ፡ ብሮቡዕ፡ ንተተ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እዞም ወንጀላት ምስ ካልኦት ኣካላት ብሓባር ብምዃንን ምስ ካልኦት ፍጻሜታት ብምውድዳርን ዝተፈጸሙ ከምዝኾኑ ገሊጹ።

ሓደ ካብቶም ሰለስተ ሰባት፡ ቅድሚ ሕጂ ብኻልእ ወንጀል ተጠርጢሩ ምንባሩ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ እቶም ካልኦት ክልተ ግን፡ ብኻልእ ወንጀላት ተኸሲሶም፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ይፍለጥ። ሓደ ካብዞም ክልተ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰባት፡ ብሰንኪ ህዝባዊ ዕንወት ኣብ ምፍጻም፡ ምልዕዓል ፈጢርካ ብዝብን ካልእን ክስታት ንሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ከም ዝተፈርደን እቲ ካልኣይ ድማ፡ ብፈተነ-ቕትለት ተኸሲሱ ንዓሰርተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ከም ዘሎ HD/Sydsvenskan ሓቢሩ’ሎ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዓመተ 2017 ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሄልሲንቦሪ ዘጋጠመ ነትጒ፡ እቲ መእተዊ ናይቲ ህንጻ ምሉእ ብምሉእ ክፈርስ እንከሎ፡ እቲ ታሕተዋይ ደርቢ ዝነበረ መሬት ድማ ዓቢ ዕንወት ከምዝወረዶን ናይቲ ቤት ጽሕፈትን መሳኹትን ብዙሓት መሳኹቲ ናይቲ ኣብ ፊቱ ዝነበረ ህንጻታትን፡ ብሰንኪ እቲ ነትጒ፡ ከምዝተሓመሸሹ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com