Friday , May 10 2024
Outbreaks of infection in Norrbotten are linked to religious gatherings

ኣብ ቬስትራጎትላንድ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና እናወሓደ ምምጽኡ ተፈሊጡ

ካልኣይ ማዕበል ምስፍሕፋሕ ኮሮና፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንመጀምርታ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና ከምዝጎደለ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 4364 ከምዝኾነን ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ224 ከምዝውሕድ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኣሃዱ ጥዕና ዝረአ ዘሎ ጸቕጢ ጌና ከምዘይፈኾሰ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ትሕተም ጋዜጣ ሓቢራ።

ብመሰረት VG region ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት፡ 248 ከምዝበጽሐን፡ ካብዚኣቶም ድማ እቶም 36 ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ከምዝርከቡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com