Friday , April 26 2024
መስራቲ ቲብታብ ዝኾነ ቲም ቢየልክስታም PONTUS ORRE

ኣብ ቴሌፎን ዝተጻዕነ መተግበሪ (App) ብምጥቃም ዝዝውተር ኣገባብ ኣተኣላልያ ጐሓፍ ካብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ተቓውሞ ገጢምዎ::

ልዕሊ 100,000 ነበርቲ ስቶክሆልም ብክፍሊት ናይ ገዛ ጐሓፍ ዝወስዱ ውልቀሰባት ብኦንላይን ደልዮም ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ዘሎ ናይ ቴሌፎን መተግበሪ (App)፡ ሕጊ ኣተኣላልያ ጐሓፍ ዝጥሕስ ኣገባብ ምዃኑ ብምግላጽ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ተቓዊምዎ።

እቶም ነበርቲ ኣብቲ ቲፕታፕ ብዝብል ስም ዝፍለጥን ኣብ 2016 ዝተጀመረን መተግበሪ (App)፡ ኣሳእል ናይቲ ዘየድልዮምን ካብ ገዝኦም ክእለየሎም ዝደልዩዎን ዓይነት ኣቚሑ ብምልጣፍ ናይ ጽዕነት መኪና ምስ ዘለዎም ሰባት ብገንዘብ ተወዓዒሎም ካብ ገዝኦም ከም ዝውሰደሎም ክገብሩ ይረአ።

ሓደ ካብ መስረትቲ ናይቲ ኣገልግሎት ዝኾነ ቲም ጄልስታም ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል መበገሲ ዝኸውን ሓሳብ ሃሰው እናበሉ ኸለው ሓደ እዋን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኣፓርታማ ዝነብር መሳርሕቱ ኣብ ገዝኡ ብዘይ ሓገዝ መኪና ክእለ ዘይክእል ተመስራሒ ግዛዕምዛዕ ተኣኪቡ ምስ ረኣየ ልክዕ ከም ኡበር ጐሓፍን ተመስራሕቲ ኣቚሑን ዝወስዱ ሰብ መካይን ዝርከቡሉ ተመሳሳሊ ብልሓት ምፍጣር ከም ዘድሊ ሓሳብ ከም ዘምጽአን ብኡ ኣቢሉ እቲ መተግበሪ ከም ዝተፈጥረን ይሕብር።

Fredrik Sandberg/TT

ይዂን እምበር እቲ ኣገልግሎት ነቲ ብዘይካ ብምምሕዳር ከተማ ዝተቘጽሩ ኮንትራክተራት ብዝኾነ ይኹን ካልእ ኣካል ናይ ገዛውቲ ጐሓፍ ከይጐዓዓዝ ዝኽልክል ሕግታት እታ ከተማ ዝግህስ ከም ዝኾነ ኣሃዱ ምክልኻል ኣከባቢን ጥዕናን ከተማ ስቶኮልም ይገልጽ።

እቲ ኩባንያ ኣንጻሩ ንዝተላዕለ ተቓውሞ ብምሕጽንታ ደው ከብል እናተማጐተ ኣገልግሎቱ ክቕጽል ተፈቂድዎ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com