Friday , April 26 2024
humphrey-muleba-u4jY1xPIObs-unsplash.jpg

ኣብ ትሽዓተ ቆልዑ ኣሰካፊ ሕማም ወይቦ ተራእዩ።

ኣብ ትሽዓተ ናእሽቱ ቖልዑ፡ ኣሰካፊ ደረጃ ነድሪ ጸላም ከብዲ–ማለት ወይቦ—ድሕሪ ምርካቦም፡ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ወለዲ ብዛዕባ ጥዕና ስድራኦም ተወሳኺ ጥንቃቐታት ክገብሩ፡ ሰብ-መዚ ጥዕና ሓቲቶም ኣለዉ፡ እዚ ኣብ ትሕቲ 17 ዝዕድሜኦም ቆልዑ ዝተራእየ ኣሰካፊ ሕምማ፡ ምኽንያቱ እንታይ እዩ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን ክብል፡ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ገሊጹ’ሎ። እዚ ሕማም፡ ካብ ወርሕ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ እዩ ተረኺቡ ዘሎ–ብመሰረት እቲ ኤጀንሲ። እዞም ቆልዑ ምስግጋር–ማለት ትራንስፕላንት–ጸላም ከብዲ ከድልዮም ከምዝኽል ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com