Saturday , April 27 2024

ኣብ ናካ ዝነበረት እንዳ ፒሳ፡ ተቓጺላ

ኣብ ምብራቕ ስቶክሆልም፡ ናካ፡ ዝነበረት እንዳ ፒሳ ተቓጺላ። ሰለስተ ኣሃዱታት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብቲ ቦታ ተረኺበን ናይ መድሕን ስረሐን እኳ እንተካየዳ፡ ነቲ ህንጻ ከድሕነኦ ከምዘይከኣላ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቲ ህንጻ፡ ብዕጨይቲ ዝተሰርሐ በዓል 2.5 ደርቢ ኮይኑ፡ እቲ ባርዕ ብላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ (ብቦሎፎን) ይወጽእ ምንባሩ ኣባል ማሕበር ምክልኻል ባርዕ ከባቢ ሶደርቶርን (Södertörn) ዝኾነ ሉድዊግ ቴለር ሓቢሩ።  

እቲ ባርዕ፡ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዝነበራ ህንጻታት ንኸይልሕም ድማ ብኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ከምዝቐሃመ ቴለር ሓቢሩ።

ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ማህሰይቲ ዝገልጽ ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ ከምዘየለ ጸብጻባት ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com