Monday , April 29 2024
Foto: Staffan Löwstedt / SvD / TT / Kod: 30312

ኣብ ኖርወይ ማእከላት መእለዪ መልከፍቲ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ።

45% ምምሕዳራት ከተማ ኖርዌይ ኣብ መእለዪ ኣባይቲ ዘሎ ኲነታት በዳሂ ምዃኑ ይገልጻ ኣለዋ። ቊጽሪ መልከፍቲ ኣብ ትካላት ምምሕዳር ከተማ ይውስኽ ምህላዉ ሰሙናዊ ጸብጻብ ዳይረክቶረይት ጥዕና ኖርዌይ የመልክት።.

45% ካብዞም ምምሕዳራት ነቲ ኲነታት በዳሂ እዩ ኢለን ክገልጻኦ እከለዋ 55% ግና ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ምህላወን ይሕብራ’ለዋ። ሓንቲ ምምሕዳር አተማ ግና ነቲ ኲነታት ዝኸፍአ እዩ ክትብል ኣቐሚጣቶ’ላ።

ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ምስታ ቅድሜኣ ዝነበረት እንክነጻጸር ኣብ መእለዪ ማእከላትን ካልእዕት ትካላትን ዘሎ ዓቕሚ ክጐድል ተራእዩ እዩ። ብተመሳሳሊ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላት መእለዪ ዘለዉ ይውስኽ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ። ዝሓለፈ ሰሙን 633 መልከፍቲ ኣብ ትካላት ምምሕዳር ከም እተመዝገበን እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ቅድሚኣ ሰኡም ዝነበረ 468 እንክነጻጸር ብዙሕ ወሰኽ ምርኣዩ ተመልኪቱ።

ኣብ ዝቕጽል ሓደ ክሳብ ሰለስተ ሳምንታት መልከፍቲ ኣብ ማእከላት ጥዕና ዘርዶ ናይ ዓቕሚ ሰብ ምጽዓቕ ማእከላይ እዩ ክብላ ገለ ምምሕዳራት ከተማ እኳ እንተገለጻ፡  ሽዱሽቲአን ግና እቲ ሓደጋ ልዑል እዩ ክብላ ገሚጊመን ኣለዋ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com