Thursday , May 9 2024

ኣብ ኦላንድ 15 መካይን ተቓጺለን

ሰሉስ ንግሆ፡ ኣብ ፎርየስታደን፡ ኦላንድ፡ 15 መካይን ምሉእ ብምሉእ ከምተቓጸላ ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓቢሩ።

እቲ ፍጻሜ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ከይከውን ድማ፡ ፖሊስ’ቲ ከባቢ የጻርዮ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ፍጻሜ ዘስዓቦ ጉድኣት ብዝምልከት ዝተረኽበ ጸባጻብ የለን ክብል ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ህጹጽ ረዲኤት፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3 ወጋሕታ፡ ኣብ ሓደ ጋራዥ ናይ መካይን ባርዕ ከምእተሳወረ ዝሕብር ጥርዓን ከም ተቐበለ ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ ባርዕ ናብ ገዛውቲ ከይላባዕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ከም ዝነበረ ውን ተሓቢሩ።

እቲ ከባቢ ንመርመራን ምጽራይን ተሓጺሩ ከምዘሎ ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com