Sunday , April 28 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ኣብ “ኦረሱንድ ብሪጅ” ምቊጽጻር ዶብ ንምህናጽ መጽናዕቲ ይካየድ ኣሎ።

ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን፡ ኣብ ኦረሱንድ ብሪጅ ምቊጽጻር ዶብ ንምህናጽ መጽናዕቲ የካይድ ኣሎ። እዚ ምቊጽጻር ዶብ ፡ብቐንዱ ካብ ደንማርክ ንዝመጻ ባቡራት ንምቊጽጻር ከኽእል እዩ። መንግስቲ ኣብ መንጎ ሽወደንን ደንማርክን ክሃንጾ ሓሲቡ ዘሎ ተወሰኽቲ ምቊጽጻር ክዉን ንምግባር፡ ዘለዎ ዓቕሚ ኣዝዩ ንእሽቶ ተጌሩ ከም ዝሕሰብ ሬድዮ ሽወደን ጸቢጺባ’ላ።.

ብዘይካዚ፡ እዚ ውጥን ብኽልቲኡ ወገን እዚ ብሪጅ ንዝነብሩ ሰባት ተወሳኺ ሽግራት ዝፈጥር እዩ ክብሉ፡ ገለ ሰባት ነቐፌትኦም ኣቕሪቦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com