Saturday , April 27 2024

ኣብ ኮንጎ: ብሰንኪ ምውዳቕ ገመድ ኤለትሪክ፡ 26 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ርእሰ ከተማ ኮንጎ ኪንሻሳ (DR Congo) ኣብ ማእከል ዕዳጋ ብሰንኪ ዝወደቐ ገመድ ኤሌክትሪክ፡ ብውሕዱ 26 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

እዚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ዘጓነፈ ምውዳቕ ገመድ ኤሌክትሪክ፡ ልዑል መጠን ቦልቴጅ ተጻዒንዎ ምንባሩ ጸብጻብ ቢቢሲ ወሲኹ ገሊጹ። ኣብቲ ዕቋር ማያት እቲ ዕዳጋ፡ ሰባት ወዲቖም ዘርኢ ስእልታት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሖም ኣለዉ።

እቲ ገመድ ኤሌክትሪክ፡ ብከመይ ወዲቑ ዛጊት እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ምናልባት በርቂ ክኸውን ከም ዝኽእል ኲባንያ ኤሌክትሪክ DR Congo ገሊጹ’ሎ። እቲ ኲባንያ ንስድራቤት ግዳያት ምጽንናዕ ተመንዩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com