Monday , April 29 2024

ኣብ ኻርሆልመን ብዝተፈጸመ ተዂሲ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ ተቐቲሉ

Credit: Claudio Bresciani/TT

ኣብ ትሕተ ምድራዊ መንገዲ ስቶክሆልም፥ ንሓደ ጉጅለ መንእሰያት እናተኸላኸለ ኣብ ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ ዝሞተ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ፥ ብፖሊስ ይምርምር ምህላዉ ተፈሊጡ። ነበርቲ ከባቢ ስካርሆልመን፡ እቲ ዝተገበረ ተዂሲ ምርባሽን ፍርሕን ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም ኣለዉ። “እዚ ጒዳይ መፍትሒ ክግበረሉ ኣለዎ፥ ምኽንያቱ በብእዋኑ እናተጋደደ እዩ ዝኸይድ ኣሎ” ክብል ሓደ ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበቶ ተቐማጢ እቲ ከባቢ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ እናኾነ ፖለቲከኛታት ነቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ምሸት ምስ ወዱ ናብ መሐንበሲ እቲ ከባቢ ብብሽክለታ እናኸደ ዝተቐትለ ኣቦ ኣኽብሮቶም ንምግላጽ ምዝ በጽሑ ተቐማጦ እቲ ከባቢ ብሕርቃንን ብስጭትን ተቐቢልዎም። ከምዚ ዝበለ ንወላድን ውላድን ዝጸሉ ተዂሲ ምኽሳቱ፡ ንብዙሓት ሰባት መስመር ይጠሓስ ምህላዉ ዘመልክት ብምዃኑ ሓያል ስምዒት ኣለዓዒሉ እዩ” ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ጉናር ስትሮመር ትማሊ ንሬድዮ ሽወደን ፒ 1 ሞርጎን ገሊጹ። ብተመሳሳሊ ዜና ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ኖርሾፒንግ ሓደ መንእሰይ ብጥይት ተቐቲሉ። ምስቲ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የለን። እቲ ፍጻመ ገበናት ቅትለትን ዘይሕጋዊ ምውናን ዘጠቓልል ኮይኑ ፥ ብፖሊስ ይምርመር ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com