Friday , April 26 2024
Foto Hasse Holmberg / SCANPIX Kod 96

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ዋጋታት ኣባይቲ ብመጠኑ ጎዲሉ

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ዋጋ ናይቶም ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከቡ ኮንዶሚኖማት ብመጠኑ ከምዝጎደለ ብዳንስከ ባንክ ዝቀርቡ ናይ ገዛ ዋጋታት ሓባሪ ጸብጻብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ዋጋታት ኮንደሚንዩም ብ2.3% ከምዝጎደሉን፡ እዚ ድማ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ንደሓር፡ እቲ ዝለዓለ መጠን ምጉዳል ዋጋ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ወቕታዊ ገምጋም ምጉዳል ገዛ ክራይ፡ 1.5% ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።

ሆክስ ዝተባህለ ሓባሪ (Hox index)፡ ኣብ መጀምርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ኣብ ስቶክሆሎምን ዮቶቦሪን፡ መጠን ዋጋታት ናይተን ትሕቲ 100 ትርብዒት ሜትሮ ስፍሓት ዘለወን ኮንደሚንዮማት፡ ምጉዳሉ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ዋጋታት ኮንዶሚኖም ምጉዳል እኳ እንተ ኣርኣዩ፡ ሓቀኛ ሓበሬታ ክኸውን ምጉዳል ዋጋ ኣባይቲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ጽልዋታት ኮሮና፡ ጌና ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። ምልክታት ምውሳኽ ዋጋታት ኣባይቲ ጌና ኣብ ቦትኦም ኣለዉ ክብል ላዕለዋይ ክኢላ ቁጠባ ዳንስክ ባንክ፡ ሚካአል ግራን፡ ሓሳቡ ኣካፊሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com