Saturday , April 27 2024
Foto: Fotograferna Holmberg / TT / kod 96

ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ቁጠባ ሽወደን፡ ዕቤት ከም ዘርኣየ ተሓቢሩ

ብመሰረት ካብ ኣፈናዊ መሐበሪ ስታትስቲክስ ሽወደን ዝተረኽበ ጸብጻብ፡ ኣብ ሽወደን ዘሎ ሓፈሻዊ ዘቤታዊ ፍርያት ማለት GDP ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወርሒ ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብ 0.2% ከም ዝወሰኸን ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተማሳሳሊ ወርሒ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ድማ ብ 5.4% ዕቤት ከም ዘርኣየ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

ብምኽንያት ዘሎ ናይ ዓውደ-ኣዋርሕን ወቕታዊ ለውጥታትን ውን እቲ ኣሃዛዊ ጸብጻብ እርማት ወይ ምስትኽኻል ከምዝተገብረሉ ብተወሳኺ ተሓቢሩ፡፡

እቲ መሐበሪ GDP፡ ብዛዕባ ምዕባለ ቁጠባ ሽወደን፡ ኣቐዲሙ ሰእሊ ዝህብ እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ጸብጻብ ግን፡ ካብ ተራ ሃገራዊ ጸብጻብ ንላዕሊ ኣብ መባእታውን ውሱንን ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ እዩ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com