Friday , April 26 2024

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ 23 ሰባት ምጥሓሎም ተነጊሩ

ኣብ ወርሒ ሰነ 2021፡ 23 ሰባት ብሓደጋ ምጥሓል ሂወቶም ከምዝሰኣኑን ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ሓደጋታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብሰለስተ ዝወሓደ ምንባሩ፡ ሽወደናዊ ማሕበር መድሕን ሂወት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ካብዞም ናይዚ ዓመት’ዚ ግዳያት፡ እቶም ሰለስተ፡ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ምንባሮም እቲ ማሕበር ገሊጹ። ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ማሕበር፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ምዕጻው ናይ መሐንበሲ ቦታታት፡ ህጻናት፡ ናይ ምሕንባስ ዓቕሞም ክጎድል ተኽእሎታት ከምዘሎን፡ እዚ ድማ ንቑጽሪ ናይቶም ክጥሕሉ ዝኽእሉ ህጻናት፡ ከዛይዶ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዓመተ 2021፡ ብሰንኪ ናይ ምጥሓል ሓደጋ፡ 49 ሰባት ሂወቶም ስኢኖም ምህላዎም ክፍለጥ እንከሎ፡ ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብትሽዓተ ዛይዱ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com