Saturday , April 27 2024
In this Friday, Feb 21, 2020, photo, environmental activist Licypriya Kangujam, 8, holds a sign at Juhu beach during a cleaning drive in Mumbai, India. Kangujam is among the younger climate activists in the world and, beginning two years ago at age 6, began taking on issues ranging from carbon emissions in her home country to ocean pollution. Insistent that children deserve to be heard on these topics, she’s given a TED Talk and attended the United Nations Climate Change Conference. “I’m strong. I’m brave. I’m intelligent,” she said. “(Addressing) climate change is not only for adults, or just for our leaders.” (AP Photo/Rajanish Kakade) NY504

ኣብ ዓለምና: ጽንኲር ኲነታት ኣየር: ብቐጻሊ ክኽሰት ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ኣብ ዓለምና ጽንኲር ኲነታት ኣየር ብቐጻሊ ክኽሰት ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዓለምና ክቱር ሃሩርን ምዕልቕላቕን ሓዊስካ ጽንኩራት ኲነታት ክሊማ ብቐጻሊ ክረኣዩ ከም ዝኽእሉ ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ኣፍሊጡ።

State Of the Climate ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ ዓመተ 2021 “ዓለምና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ትቕየር ኣላ” ኢሉ።

ካብ 2002 ክሳብ ዘለናዮ ዓመት ዝነበረ ማእከላይ ኲነታት ሙቐት ብ 1°C ክውስኽ ምዃኑ እውን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ ጽፍሒ ማያት ዓለምና እውን ካብቲ ዝነብሮ ክልዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ ግላስጎው ንምልዋጥ ክሊማ ዓለምና ኣመልኪቱ ዝካየድ COP26 ዝተሰምየ ዘተ ክካየድ ምድላው ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን እዩ እዚ ጸብጻብ ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ዝወጽእ ዘሎ።

ብምኽንያት ናብ ከባቢ ኣየር ብጻዕቂ ዝፍኖ ዘሎ መርዛም ጋዛት እዛ ዘለናያ ዓመት ሓዊስካ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ዓመታት ዝወዓያ ኮይነን ከም እተመዝገባ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ።

በዚ ድማ ጽንክር ዝበሉ ኲነታት ክሊማ ንቡር እናኾነ ክኸይድ እዩ” ክብል ኣብ ውድብ ክሊማ ዓለም ፕሮፌሰር ፔተሪ ታላስ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com