Saturday , April 27 2024

ኣብ ዓለም: ብዕድመ ዝዓበየት ዑፍ መሮር ወሊዳ።

ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝዓበየት ዊዝደም ዝስማ፡ ጻዕዳ ዑፍ ኣልባጥሮስ ባሕሪ: ኣብ 70 ዓመታ: ምውላዳ ተገሊጹ። እዛ ዑፍ ኣብ መዕቈብ ኣራዊት ሰሜናዊ ውቅያኖስ ፓሲፊክ ኣብ ባሕቲ ለካቲት ውሉዳ ምፍልፋላ ኣገልግሎት ዓሳን ኣራዊትን ኣመሪካ ገሊጹ። ኣልባጥሮስ ላይሳን፡ በዚሑ እንተተባህለ ክሳብ 40 ዓመት እዩ ብህይወት ዝጸንሕ።

ኣልባጥሮስ ምስ ሓደ እንኳ መጻምዲ ተወሲኖም እዮም ዝነብሩ፡ እንተኾነ ግና መጻምዳ ስለዝሞቱ ዊዝደም ብተደጋጋሚ ከም እተዛመደት እቲ ኣገልግሎት ገሊጹ። ዊዝደም እንቋቚሖኣ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ፓስፊክ እትርከብ ሃገራዊ መዕቈብ ኣራዊት ኣቶል እኳ እንተ ፈልፈለት እቲ ጸብጻብ ኣብዚ ሰሙን ምውጽኡ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com