Monday , April 29 2024

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሓት ሰባት ካብ ሽወደን ወጺኦም

Credit: Jonas Ekströmer/TT

ዓሚ ብወለንታኦም ናብ ዓዶም ክምለሱ ገንዘባዊ ደገፍ ዝረኸቡ ሰባት ምስ ናይ 2022 ክነጻጸር እንከሎ ዳርጋ ብዕጽፊ ዝዛይድ እዩ ተባሂሉ። ካብቶም ካብ ኤጀንሲ ሚግሬሽን “ደገፍ ዳግመ ምጥያስ” ዝበሃል ክፍሊት ዝረኸቡ ልዕሊ ፍርቂ ናብ ዒራቕ ተመሊሶም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብጠቕላላ 463 ሰባት እቲ ክፍሊት ተቐቢሎም እዮም። ሽወደናውያን ብሓፈሻ ካብቶም ኣብ ካልኦት ትሽዓተ ሃገራት OECD ዝርከቡ ሕሙማት ዝተሓተ ተመኩሮ ክንክን ጥዕና ከምዘለዎም ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ብሰንኪ ሕጽረት ስሩዕ ሓፈሻዊ ሓኪም ዘሎ መረረታት እናወሰኸ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ይኹን እምበር ሽወደናውያን ብኢንተርነት ኣብ ዝወሃብ ክንክን ጥዕና ዝያዳ ዕጉባት እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com