Friday , April 26 2024
Foto: Jessica Gow/TT

ኣብ ደቡባዊ ስቶክሆልም ሓደ ሄርሞን ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝርከቦም 3 መንእሰያት ተቀቲሎም።

ትማል ምሸት ኣብ ደቡባዊ ስቶክሆልም ኣብ ዕስራታት ዝርከብ ሓደ መንእሰይ ብጥይት ከም እተቐትለ ተገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ሓደ ሄርሞን ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝርከቦም ክልተ መንእሰያት ካብ ዝቕተሉ ሳልስቲ ከይመልአ እዩ እዚ ፍጻመ ዝስዕብ ዘሎ።

ፖሊስ ሎሚ ካብ ከባቢ Sätra ሰዓት 4 ጻውዒት ከም ዝመጾም ገሊጾም ኣለዉ።

እቲ ግዳይ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተተወስደ በቲ ዝወረዶ ከቢድ መቚሰልቲ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ። ኣገልግሎት ዜና TT ምስዚ ገበን ብዝተተሓሓዘ ክልተ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣውዒሉ ምህላዉ ጸብጺቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com