Friday , April 26 2024
Migrants and Polish border police at the border with Belarus. (AP Photo/Mateusz Wodzi?ski, File) AMB817

ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን፤ ናይ ህጹጽ እዋን ፍቓድ ክወሃብ ምዃኑ ተገሊጹ

መንግስቲ ፖላንድ፤ ኣብ ክልተ ምስ ዶብ ቤላሩስ ዘዳውብዋ ከባቢታት፤ ናይ ህጹጽ እዋን ፍቓድ ንኸተኣታቱ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ሕቶ ከምዘቕረብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፤ ማቴዮዝ ሞራቬስኪ፤ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ናይ ህጹጽ እዋን ፍቓድ፤ ንሰላሳ መዓልታት ዝጸንሕ ከምዝኾነ ዝሓበረ ሞራቬስኪ፤ ብሰንኪ ናብ ሃገረ ፖላንድ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዝኣትዉ ዘለዉ ሰባት፤ ቁጽሮም እናወሰኸ ምምጽኡ ዝቐረበ ጠለብ ምዃኑ ገሊጹ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ይኸውን፤ መንግስቲ ፖላንድ፤ ንስደተኛታት ንምግታእ፤ 2.5 ሜትሮ ዝንውሓቱ ሓጹር ክተክል ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፤ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጹ ስደተኛታት፤ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ፤ ዶባት ኤውሮጳዊ ሕብረት ከምዝሰገሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፤ ኢስቶንያ፤ ላቲቪያ፤ ሊትወንያን ፖላንድን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺአን ምንባረን ይዝከር። ኣብቲ መግለጺ፤ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ናብ ኤውሮጳ ገጹ ዝእንፍት ዘሎ ፍልሰት ናይ ስደተኛታት፤ ፕረዚደንት ቤላሩስ፤ ዲክቴተር ኣሌክሳንደር ሉካቸንኮ ምዃኑ ገሊጸን ምንባረን ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com