Friday , April 26 2024

ኣብ ገማግም ቱኒስያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ምጥሕል ጀላቡ ብውሕዱ 29 ስደተኛታት ሞይቶም።

ኣብ ገማግም ቱኒስያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ምጥሕል ጀላቡ፥ ብውሕዱ 29 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
እዞም ካብ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት፥ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓስ ናብ ኢጣልያ ክኣትዉ ኣንቂዶም ምንባሮም
እቶም ሰብመዚ ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ መዓልታት እውን፥ ካልኦት ሓሙሽተ ጀላቦ ጥሒለን ስደተኛታት
ምሟቶም ዝፍለጥ እዩ። እዚ እናኾነ፥ ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ዝርከቡ ሰብ-መዚ ኢጣልያ፥ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ክሳብ
2,500 ስደተኛታት ብምቕባሎም ዓቕሎም ጸቢብዎም ምህላዎም ገሊጾም ኣለዉ።
ሕሉፍ የማናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጆ ሜሎኒ፥ ኣውሮጳ ገዚፍ ማዕበል ስደተኛታት ይወርዋ ኣለዉ ክብል ምጥንቃቑ
ዝፍለጥ እዩ። ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዛ፥ ቱኒዝያ መናሃርያ ናይቶም ናብ ኣውሮጳ ክኣቱዉ ዝድልዩ ስደተኛታት ኮይና’ላ። ኣብዚ
ዓመት ጥራይ ካብ ገማግም እታ ሃገር እናተበገሱ፥ ኣስታት 12,000 ስደተኛታት ናብ ገማግም ኢጣልያ ምእታዎም UN ይሕብር።
እዚ ምስ ናይ ዓሚ ዝነበረ ቊጽሪ ማለት–1,300–እንክወዳደር ኣዝዩ ገዚፍ ወሰኽ እዩ።
ሓለዋ ገማግም ቱኒዝያ፥ ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ 80 ዝኾና መራኽብ ናብ ኣውሮጳ ከይሰግራ ምዕጋቶም፥ 300
ዝኾኑ ስደትናታት ኸኣ ሓዪሮም ምህላዎም ን ሮይተርስ ብምጥቃስ ቢቢሲ ገሊጻ’ላ። ፕረሲደንት ቱኒዝያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ
ዝሃቦ መደረ፥ ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ሃገሩ ገበን ከስፋሕፍሕ ይገብሩ ብምህላዎም ብምጥቃስ ከም
‘ዴሞግራፍያዊ” ስግኣት ከም ዝጥምቶም ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ርእይቶ ቃዲ ስዒድ ኣብ ግዜኡ ብ ኣፍሪኣዊ ሕብረትን
ውድባት ሰብኣዊ መሰላትን ከም “ዓሌታዊን ጽልኢ ዝመልኦን” ተባሂሉ ተኾኒኑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com