Friday , May 10 2024

ኣብ 2030 ኣካላት ርእሲ ካብ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ምስግጋር (ሄድ ትራንስፕላንት) ክዉን ክኸውን እዩ ተባሂሉ።

ብምኽንያት ሓድሽ ቴልኖሎጂያዊ ምዕባለ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት ኣካላት ርእሲ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ምስግጋር ክውን ክኸውን እዩ ክብል ክኢላ መጥባሕቲ መትኒታት ርእሲ ገሊጹ። ዘ ሳን ዝተባህለ ጋዜጣ ብሪጣንያ ን ሓላፊ ክሊኒካዊ ኒውሮሰርጀሪ ዶክተር ብሩስ ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዶክተር ብሩስ ምስ ጸሓፊ ዛንታ ሚካኤል ሊ ብሓባር ብምምካር ኣብዚ መደምደምታ ምብጽሑ ገሊጹ’ሎ።

ማቴዎስ “መጀመርታ ሃቐናና ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ሓሳባት ንምልውዋጥ እዩ ኔሩ። ግና ፍጹም ዕብዳን እዩ ዝመስል ኔሩ። ምኽንያቱ ዓንዲ ሕቖን ሓንጎልን ካብ ቦትኡ እንተንቀሳቒስካዮ ሞት እዩ ዝስዕብ።” ንሱ ብተወሳኺ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብ ሰብ ናብ ሮቦት ኣካሊት መትኒ ምትካእ ምጅማሩ’ውን ኣይተርፎን እዩ ኢሉ’ሎ። እዚ ፈተነ ዕዉት እንተኾይኑ ብሕማም ምሽምራር ጭዋዳ፥ ስንካለ መሓውር ወይ ብውርጪ ዝደንዘዘ ኣካላት ዘለዎም ዝፍወሱሉ ኣገባብ ክርከብ ይኽእል እዩ ክብል እውን ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com