Friday , April 26 2024

ኣእምራዊ ጥዕና እንታይ እዩ ?

ብኣርሴማ ሰሎሞን

ኣብ ዓለም  ካብቶም ንደቂ ሰባት ዘሳቒ ዘሎ ኣእምራዊ  ጥዕና እናዛየደ ይመጽእ ምህላው ኣብ ኣሰካፊ ኩነት ከም ዘሎ ብሞያውያን ናይዚ ዓውዲ ዝተደገፈ መጽናዕቲ ወይ ዳታ የረጋግጽ።

ኣእምራዊ ጥዕና፡  ኣብ  ስምዒት ኣእምራዊ ከምኡውን ኣብ ማሕበራዊ  ጥዕና ዝምርኮስ ኮይኑ፡  እቲ ንሱ  ዝጸልዎ  ከም   ንኣተሓሳስባና፡ ስምዒትና ኮታ ኣብ መዓልታዊ ንገብሮም ንጥፈታት ብቐረባ ዝተኣሳሰር ኢዩ።

መበገሲታት’ዚ ሕማም ተፈጥራኣዊ  ክኸውን ከሎ ማለት ካብ ወሎዶ ዝውረስ፡ ናይ ሂወት ተሞክሮታት፡ ከም ስንባደ  ወይ ወልፍታት ክኾኑ ከም ዝኽእል እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ የነጽር።

እቶም ናይ ፈለማ ክስተታት ናይዚ ሕማም እዚ፥  

  • ውሑድ ወይ ካብ ዓቐን ንላዕሊ  ምብላዕ ወይ ምምጋብ።
  • ሓይሊ ሰብነት ምንካይ ወይ ፍጹም ድኻም።
  • ንሂወትካ ምጥፋእ ወይ ንኻልኦት ምሕሳብ።
  • ንዘየለ  ድምጺ፡ ከምትሰምዖም ኣብ  ኣእምሮኻ  ምቅራጽ።
  • ቀጻሊ ምስ ዓርኪ- መሓዛ  ኮነ ቤተ-ሰብ  ቆይቂ ምፍጣር ፥
  • ስምዒታትካ  ወይ ዘይሙቹኡነትካ  ንእለት ይቀያየር፡  ብኡ መጠን ምስ ሰብ  ዘለካ ቅርበት ኮነ ርክብ ብኣሉታ ይጸልዎ።
  • ዘይተፈልጡን ክትገልጾም ዘይትኽእልን ኣካላዊ ቃንዛታት የኸትል
  • ኣልኮላውን ተኸኽቲ  ወልፍታት ካብ መጠን ንላዕሊ  ምዝውታር ዝኣመሰሉ  ምኻኖም ይፍለጥ።

እቲ መጽናዕቲ  በንጻር’ ዚ፡ ኣወንታዊ ጥዕና ኣብ ነጥርየሉ ግዜ ንሓያለ ነገራት ይሕግዘና፥  ንዘሎ ጭንቀት ኮነ ብቅዓት ኣተሓሳስባና  ኣብ ምጽዋሩን ኣብ ምብድሁን  ይሕግዘና።

 ብዝተኻእለ መጠን ድማ ይብል፥

  • ሓገዝ  ኪእላታት  ጥዕና ምውካስ
  • ምስ ሰባት ርክብን ዕላልን ምዝውታር
  • ኣውንታዊ ኣተሓሳስባ  ምምዕባል
  • ሰባት ኣብ ግዜ ጸገሞም ሓገዝካ ምውፋይ
  • ንቡር ድቃስ ምዝውታር
  • ንዘለካ ዓቅምን ብቕዓትን ክተማዕብሎ ምጽዓር ዝኣመስሉ፡ ከተተግብር ኣብ ትብገሰሉ ናይዚ ዝተጠቅሰ ኣእምራዊ ሕማም ግዳይ ካብ ምኻን  ክትናገፍ ከምዝካኣል ኢዩ ክብል እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ይድምድም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com