Monday , April 29 2024
Credit: Claudio Bresciani / TT

ኣውሮጳዊ ሕብረት ን ደግሲ ለበዳ “ኮቪድ-19” ኣብ ቻይና ኣመልኪቱ ክዝቲ እዩ።

ሽወደን ናብ ቻይና ብዛዕባ ዝግበር ጒዕዞ ኣመልኪታ፡ ኣኼባ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጸዊዓ። ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ናብ ቻይና ንዝጎዓዙ ሰባት  ብ “ወሃቢ ግብረመልሲ ንቅልውላው” ዝተባህለ ኣሰራርሓኡ ኣቢሉ፡ ሓባራዊ ሕጊታት ከተኣታቱ ከም ዝግባእ ብምምልካት እያ ሽወደን፡ ሎሚ ረቡዕ እዚ ኣኼባ ክግበር ጸዊዓ ዘላ።  ኣብ ቻይና ለበዳ “ኮቪድ-19” ደጊስዎ ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ብወገኑ እዚ ኣብ ቻይና ተኸሲቱ ዘሎ ደግሲ ለበዳ ኮቪድ-19 ንሽወደን ብኸመይ ክጸልዋ እዩ ክግምግም፡ ከመይ ዝበሉ ስጒምቲታት ክውሰዱ ከም ዝግብኦም ከኣ መምርሒታት ከዳሉ፡ ብመንግስቲ ጻውዒት ቀሪቡሉ’ሎ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com