Monday , April 29 2024

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝጽዕኖ ኣገዳ ኣብ ሽወደን ንእሽቶ ጽልዋ ኣለዎ ተባሂሉ።

ሩስያ ንክልተ ተገንጸልቲ ምብራቓውያን ዞባታት ዩክሬይን ከም ናጻ ሃገራት ከም እትፈልጠን ኣዊጃ፡ ናብተን ዞባታት ሰራዊታ ድሕር ምውፋራ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊኣ ተወሳኺ እገዳታት ከንብር ምዃኑ ዝሓለፈ ሰሉስ ገሊጹ ኔሩ እዩ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢ ብዙሃን ኣብ ዝለጠፈቶ ሓበሬታ እዚ ተጻብኦ ንሩስያ ዓብዪ ዋጋ ከኽፍላ እዩ ኢላ’ላ። እዚ እገዳ ነቶም “ሩስያ ነዘን ኣውራጃታት ኣፍልጦ ክትህበን ኣለዋ” ብምባል ዘድመጹ 351 ፖለቲከኛታት ከምኡውን ካልኦት 27 ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ሩስያውያን ዝምልከት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብምኽንያት እዚ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር ወፍሪ ከንቈልቊልን ኣብ ቊጠባ እታ ሃገር ድማ ሃስያ ክህልዎ ከም ዝኽእልን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሩስያ ምስ ሽወደን ዘለዋ ናይ ንግድ ርክብ ንእሽቶ ጥራይ ብምዃኑ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝወርድ እገዳ ኣብ ቊጠባ ሽወደን ዝህልዎ ጽልዋ እዚዩ ዝበሃል ኣይኮነን ክብል ኣባል ቤት ትምህርቲ ንግድ ስቶክሆልም ቶርብዮርን በከር ገሊጹ’ሎ። እቲ ዝርካቡ ጽልዋ ምናልባት ኣብ ምውሳኽ ዋጋ ባህርያዊ ጋዝ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ በዚ ድማ ዕዳጋ ጸዓት  ክውስኽ እዩ ዝብል ትጽቢታት ከም ዘሎ ሬድዮ ሽወድን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com