Monday , April 29 2024
Flowers and tributes are seen outside Hillcrest Primary School in Devonport, in the island state of Tasmania, Australia (Ethan James/AAP Image via AP) AAPMY804

ኣውስትራልያ . . . ሓሙሽተ ቖልዑ፡ ብሰንኪ ህቦብላ ሞይቶም

ኣብ ኣውስትራልያ ብሰንኪ ሓደጋ ህቦብላ ንፋስ፡ ኣብ ናይ ፕላስቲክ መጻወቲ ቤት፡ ካብ ዝዘናግዑ ዝነበሩ ህጻናት፡ ሓሙሽተ በቲ ሓደጋ ምሟቶም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ፡ ስኮት ሞሪሰን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ማዕበል ንፋስ፡ ነቲ ናይ ፕላስቲክ ቤት፡ ካብ መሬት ቀንጢጡ ናብ 10 ሜትሮ ብራኸ ድሕሪ ምንስፋፉ፡ እቶም ኣብኡ ዝጻወቱ ዝነበሩ ቆልዑ፡ ካብቲ ብራኸ ናብ መሬት ከምዝወደቑ ተፈሊጡ። በዚ ድማ ሓሙሽተ ቖልዑ ሽዑ ብሽዑ ክሞቱ እንከለዉ ኣርባዕተ ድማ ኣብ ዘተሓሳስብ ኲነታት ምህላዎም ቢቢሲ ወሲኻ ጸብጺባ።

ካልእ በዚ ሓደጋ ተሃስዩ ዝነበረ ቆልዓ ካብ ሆስፒታል ወጺኡ ኣሎ። ወለዲ እዞም ቆልዑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክዛረቡ ከም ዘይደልዩ እኳ እንተገለጹ፡ ናይ ቀረባ ኣዝማድ እቶም ቆልዑ ግና ሓዘኖም ብኦንላይን ይገልጹ ምህላዎም ፖሊስ ሓቢሮም።

30 ሽሕ ሰባት ዝቕመጡላ ከተማ ደቨንፖርት፡ በዚ ሓደጋን ሞት እዞም ህጻውንትን ከቢድ ደበና ሓዘን ተጻዒንዋ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com