Friday , May 10 2024

ኣዕኑድ ምዉቕ ሓዳር።

ሎሚ ካብ ማንም ንላዕሊ ዝምድና ሓዳር ሓያል ስራሕ ዘድልዮ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ዝበዝሑ ሓደስቲ መጻምዲ፡ ሕጕስን ነባሪን ዝምድና ክህልዎም’ዮም ዝምነዩ። እንተኾነ፡ ‘ኣደኻ ከምዝለኣኸትካ ዘይኮነስ ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ’ዩ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ዝደልዩዎን ዝምነዩዎን ኩሉ ግዜ ግብራዊ ኮይኑ ኣይረኽብዎን። እቲ ምንታይ፡ ሕጕስ ሓዳር ብድሆታትን ጸገማት ሰሪርካ ዝብጻሕ መስርሕ ብምዃኑ። መጻምዲ ቀለልቲ መምርሒታት ተጠቒሞም ዝምድና ሓዳሮም ትርጉም ዘለዎ፡ ሓጎስ፡ ፍቕሪን ቀጻልነትን ዘለዎ ክገብሩዎ ይኽእሉ’ዮም። እቶም መምርሒታት ድማ እዞም ዝስዕቡ’ዮም፡

1. ኩሉ ግዜ መጻምድኻ ንዝወስዶ ስጉምቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይኹን ኣብ ውልቂ ሓገዝካን ኣኽብሮትካን ግለጸሉ። ርግጽ’ዩ፡ ምኽንያት ብዘለዎ ዘይክትሰማማዕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ግን ኩሉ ግዜ ብፍቕሪን ብዘይ ክርክርን ኣብ ውልቅኹም’ዩ ክግበር ዘለዎ። ነብሲ ወከፍኩም ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ነናትኩም ውልቃዊ ርእይቶታት ክህልወኩም ንቡር ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ጌጋ ወይ ሓቂ ተባሂሉ ዝነኣኣስን ምኽንያት መበኣሲ ዝኸውንን ርእይቶ ድማ የለን። ይዕበ ይንኣስ ዝኾነ ርእይቶ ጥቕሚ ከምዘለዎ ምፍላጥ።

2. ንመጻምድኻ እመኖ፡ ከም እትኣምኖ ድማ ብግብሪ ኣርእዮ። ኩሉ ግዜ ብዝከኣለካ ብምሉእ እምነት ነቲ ቅኑዕ ክትገብር ምዃንካ ኣረጋግጸሉ።

3. ኩሉ ግዜ ንመጻምድኻ ህሉው ምዃንካ ኣፍልጦ።

4. ክትገብሩዎ እትኽእሉ ዘበለ ሓቢርኩም ግበሩዎ።

5. ለጋስን ኣድናቒን ኩን። እዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይኹን ብውልቂ ግበሮ።

6. ክትሕግዞ እንተ ዘይሓቲቱካ መጻምድኻ ጸገማቱ ባዕሉ ክፈትሕ ዕድል ሃቦ።

7. ዋላ ምስቲ መጻምድኻ ዝህበካ ርእይቶ ኣይትሰማማዕ፡ ንዘረባኡ ግን ኩሉ ግዜ ጽን ኢልካ ስምዓዮ።

8. ኣማራጺታት እናሃብካ ንመጻምድኻ ናይ ምትብባዕ ባይታ ፍጠረሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com