Sunday , April 28 2024
Ireland has been through the "omikron storm" according to the country's prime minister. Therefore, some restrictions are lifted and bars can return to normal opening hours. (AP Photo/Peter Morrison) XPM119

ኣየርላንድ፡ ቀይድታት ኮቪድ፡ ኣልዒላ

ኣየርላንድ፡ ንማዕበል ምስፍሕፋሕ ኦሚክሮን፡ ብዓወት ሰጊራቶ ኣላ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ማይክል ማርቲን፡ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ኮሮና ቫይረስ እገዳታት፡ ካብ ትማሊ ቀዳም ጀሚሮም ክላዓሉ ከምዝኾኑ ውን ብምውሳኽ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቶም መብዛሕትኦም ክንሰርሓሎም ዝጸናሕና መምርሒታት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ክላዓሉ እዮም ክብል፡ ማርቲን ብዓርቢ ዘፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ብዓለም ደረጃ ተኸሲቱ ዘሎ መልከፍቲ ግና ገና ከምዘይተወድአ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ማለት ድማ፡ ሰዓታት ምኽፋትን ምዕጻውን ናይ ኣብያተ መግብን ኣብያተ መስተን ናብ ንቡር ክምለስን፡ እቲ ናይ ክትባት ፓስፖርት ዝሕተተሉ ዝነበረ መስርሕ ኮነ ሰባት ርሕቀቶም ክሕልው ዘገድድ ዝነበረ ሕጊ ኣድላይ ከምዘይኮነ ዘመላኽት ማለት ምዃኑ እዩ ዝሕብር።

ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሮም፡ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት፡ ቀስ ብቐስ፡ ናብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ክምለሱ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት፡ ናይ ኣፍ ማስክ ምግባር ዝግድድ መምርሒ ዝቕጽል ኮይኑ፡ ብተወሳኺ’ውን ነቶም ተመርሚሮም ናይ ኮቪድ መልከፍቲ ከምዘለዎም ንዘረጋገጹ ሰባት፡ ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ናይ መልከፍቲ ምልክታት ዘርኣዩ ሰባት ሓዊሱ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ናይ ምውሻብ መስርሕ ክቕጽል ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

ሃገረ ኣየርላንድ፡ ዝለዓለ መጠን ናይ ክታበት ዘካየደት ሃገር ኮይና፡ ልዕሊ ክልተ-ሲሶ ናይቶም ልዕሊ 5 ዓመት ዝዕድሜኦም ዜጋታታ፡ ሳልሳይ እብሪ ክትባት ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።

ናይ ኣየርላንድ ኣዝዩ ብሉጽ ተሞክሮ መደብ ክትባትን ንዕኡ ስዒቡ ዝተዋህበ መጠናኸሪ ብልቓጥን (booster) ብመሰረቱ ነቲ ኩነታት ዝለወጠ ከምዝነበረ እዩ ማርቲን ዝገልጽ።

እታ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ኣየርላንድ፡ ልዕሊ 6,000 ምስ ኮቪድ ዝተተሓሓዘ ሞት ከም ዘጋጠማ ዝፍለጥ’ዩ። እታ ሃገር፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ዝነበረ ዕጽዋ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሙሉእ ብሙሉእ ዶባታታ ድሕሪ ምኽፋት፡ ተመሊሳ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እንደገና እቲ ዕጽዋ ክቕጽል ከምዝገበረት ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com