Tuesday , April 30 2024
FHI Director General Camilla Stoltenberg at Wednesday's press conference. Foto: Terje Pedersen / NTB

ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ፡ ቀይድታት ኮቪድ ንኸፍኩስ ወጢኑ

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ (Norwegian Folkehelseinstituttet-FHI) ንቀይድታት ኮቪድ፡ ቀስ ብቐስ ከልዕሎም ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ዋላ’ኳ እታ ሃገር፡ ሓደሽን ከቢድን ማዕበል ናይ መልከፍቲ ከጋጥማ ከም ዝኽእል ትጽቢታት እንተሃለው፡ እዚ እገዳታት ናይ ምፍዃስ መስርሕ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ትካላት ሓለዋ ጥዕና፡ ተወሳኺ ጸቕጢ ንኸይፈጥሩ፡ ብጥንቃቐን ኣብ ዝተናውሐ ግዜን ዝፍጸም ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ኣዘኻኺሩ።

 “ካብዚ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ዳርጋ ከም ዘይብልና ኢና ክንርዳእ ክኢልና ዘለና። ንለበዳ ኮቪድ፡ ከም ዕንቅፋት፡ ኣብ ቅድሜና ኮፍ ከነብሎ ኣይንኽእልን ኢና” ክትብል ዋና ሓላፊት እቲ በኦኣል መዚ፡ ካሚላ ስቶልቴንበሪ፡ ኣብሪሃ።

ከም FHI እንተኾይኑ፡ ኣብ ኖርወይ፡ እቲ ዝለዓለ ጠርዚ ናይቲ መልከፍቲ ኣብ ዳሕራይ ለካቲት ወይ ድማ ኣብ ፈለማ መጋቢት ክበጽሕ ከምዝኽእልን ካብ 3 ክሳብ 4 ሚልዮን ዝኾኑ ህዝቢታት ኖርወይ ድማ ኣብ ቅንያት ሓጋይ ክልከፉ ከምዝኽእሉ እዩ ግምቱ ኣቐሚጡ ዘሎ። ስቶልቴንበሪ፡ ንትካላት ሓለዋ ጥዕና ኣመልኪታ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ብዙሓት ተሓከምትን ሰራሕተኛታትን፡ ዝበዝሐ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ሕቶታት ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ትጽቢታት ብምግባር፡ ውጥናተን ከዳልዋ፡ ምሕጽንታ ኣቕሪባ። 

ይኹን እምበር ነቲ ኦሚክሮን ዝባሃል ጅር ዘስዕቦ ዘሎ መጥን መልከፍቲ ንምክልኻል ክውሰድ ዝካኣል ናይ ኣማራጺ ስጉምቲታት ኣዝዮም ተረርቲ ዝኾኑ እገዳታት ምትእትታው እዩ ዝኸውን፥ እዚ ምግባር ድማ ንብዙሓት ሰባት ካብቲ ናይ መልከፍቲ ሳዕቤን ዝባኣሰ ኣማራጺ ከምዝኾነ እዩ FHI ዝገልጽ ዘሎ።

እዞም ክልከላታት ከምዘለውዎ ንኽቕጽሉ ምግዳፍ ማለት ዕድመ ናይቲ ብደረጃ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ፡ ምንዋሕ ማለት እዩ ክትብል ካሚላ ስቶልቴንበሪ ኣብሪሃ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com