Friday , May 10 2024
Credit: Caisa Rasmussen/TT

ኣፍረይቲ ኣልኮላዊ መስተ፥ ካብ 2025 ኣትሒዞም ብቐጥታ ንዓማዊል ክሸጡ ክኽእሉ እዮም።

መንግስቲ ሽወደን፡ ናእሽቱ ኣፍረይቲ ብቐጥታ ናብ ዓማዊል መስተ ክሸጡ ዝፈቅድ፡ “መሸጣ ሕርሻ” ዝበሃል ኣልኮላዊ መስተ
ንምፍቃድ ዝሕግዝ እማመ ንምሕላፍ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብ ሽወደን መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ጽኑዕ ቊጽጽር ከም
ዝግበረሉ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ብመንግስቲ ዝውነን ሞኖፖሊ ኣልኮላዊ መስተ–ሲስተምቦላጌት– ልዕሊ 3.5% ትሕዝቶ
ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎም መስተታት ክሸይጥ ዝኽእል እንኮ ድኳን እዩ። ሚኒስተር ህዝባዊ ጥዕና ከምኡ’ውን ኣባል ሰልፊ
ክርስትያናዊ ዲሞክራሲ ጃኮብ ፎርስሜድ እዚ ለውጢ ክግበር ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ገጠር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክጽውዕ
ምጽንሑ ይገልጽ።

 

 

Credit: Caisa Rasmussen/TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com