Monday , April 29 2024
a woman using an electronic cigarette exhales a puff of smoke (AP Photo/Tony Dejak) OHTD302

ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ፡ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል፡ WHO፡ ኣጠንቂቑ

ኢንዱስትሪ ትንባኾ፡ መንእሰያት፡ ንኒኮቲን ውሉፋት ክኾኑ ይገብር ኣሎ ኢሉ ዝወቐሰ፡ WHO፡ ኤለትሮኒካዊ ሽጋራ ንጥዕና ጎዳኢ ምዃኑ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ንኒኮቲን፡ ብኤለክትሮኒካዊ ውጽኢታት ኣቢልካ ምቕራብ ኣዝዩ ጎዳኢ ብምዃኑ ቊጽጽር ክግበረሉ ይግባእ” ክብል ዳይረክተር WHO፡ ቴድሮስ ኣድሓቦም ገብረየሱስ፡ ለበዳ ዓለምለኸ ትንባኾ ኣብ 2021 ኣብ ዝተሰምየ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። ኣብቶም ኢለትሮኒካዊ ኒኮቲን ዝፍቀደሎም ከባቢታት እውን እንተኾነ ጎዳኢ ሳዕቤናቱ ንምንካይ ቊጽጽራት ክካየደሉን ቆልዑ ካብዚ ወልፊ ዝዕቀቡሉ ኣገባብ ክሕሰበሉን ከም ዝግባእ ኣብቲ ጸብጻቡ ገሊጹ’ሎ።

ብመሰረት WHO፡ ኣፍረይቲ ናይዚ ፍርያት ዝኽና ኢንዱስትሪታት፡ ዝተፈላለየ መቐረት ዘለዎም 16000 ፍርያት እናቕረበ፡ መንእሰያት ብፍላይ ነዚ ወልፊ ክሰሓቡ ይገብራ ምህላወን ድሕሪ ምምልካት፡ እዚ ገበን እዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ዓለም፡ ሓደ ቢልዮን ሰባት ከም ዘትክኹ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ትንባኾ፡ ዓመታዊ፡ ሸሞንተ ሚልዮን ሰባት ከም ዝሞቱን እቶም ሓደ ሚልዮን ካብዚኣቶም ብቐጥታ ዘትክኹ ከም ዘይኮኑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ድሮ 32 ሃገራት፡ መሸጣ ኤለትሮኒካዊ ውጽኢት ኒኮቲን፡ ከልኪለን ምህላወን፡ 79 ሃገራት ከኣ እዚ ውጽኢት ብኸመይ ብኸመይ ክሽየጥ ከም ዝግባእ ሕግታት ኣተኣታትየን ምህላወን ይፍለጥ። 84 ሃገራት፡ ዛጊት ነዚ ዝምልከት ዝኾነ ሕጊ ይዂን መምርሒ ከምዘየመሓላለፋ፡ WHO፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com