Tuesday , April 30 2024
Pfizer's Paxlovid tablet has been approved by the EMA. (Pfizer via AP) NY799

ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ንናይ ኮቪድ ከኒና፡ ኣፍልጦ ሂቡ

ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት (European Medicines Agency-EMA)፡ ብኩባንያ ፋይዘር ዝፈረየ ፓክስሎቪድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ሕማም ኮቪድ፡ መድሓኒት ዝኾነ ከኒና፡ ኣፍልጦ ከምዝሃበ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ተፈላጥነት ረኺቡ ዘሎ መድሃኒት፡ ነቶም ጽኑዕ ምልክታት ኮቪድ ዘርእዩ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት ንኽወሃብ እቲ በዓል መዚ ምኽርታቱ ሂቡ ከምዘሎ ገሊጹ።

እዚ መድሃኒት፡ ብኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ዝተፈቕደ እቲ ናይ መጀመርታ ከኒና ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ EMA፡ ፓክስሎቪድ ብኣባላት ሃገራት ኤውሮጳ ሕብረት፡ ኣብ ግዜ ህጹጽ ኩነታት ንኽውሰድ ፈቒዱ እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግና ነቶም ቅድም ክብል ነዚ ከኒና ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ፍቓድ ዝሃቡ ከም ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ካናዳን ዓባይ ብሪጣንያን ስዒቡ እዚ መድሃኒት ናብ ተገልገልቲ ክበጽሕ ፍቓድ ሂቡ ከም ዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

እዞም ከኒናታት፡ ብዘይ ናይ ሓኪም መርመራ ብኣጋኡ ኣንጻር ኮቪድ-19 መልከፍቲ ክዋሃቡ ስለዝኽእሉ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ነቲ መልከፍቲ ንምእላይ ኣብ ዝግበሩ ጻዕሪታት ሓደሽቲ ውጥናት ንምትእትታው ስለዝጠቅም፡ ከም ዓቢ ዕድል እዮም ዝረኣዩ። 

ከም EMA እንተኾይኑ፡ ፓክስሎቪድ፡ ብሰንኪ ኮቪድ ናይ ምሕማምን ምሟትን ሓደጋታት ከምዝንክይን ከምኡ ድማ ኣንጻር እቲ ኦሚክሮን ጅር ብቑዕ መድሃኒት ከምዝኾነ፡ ነዚ ኣመልኪቶም ዝተገብሩ መጽናዕታት ከምዘርእዩ እዩ ዝሕብር።

ካብቶም ልዕሊ 1 ሽሕ ዝኾኑ ፓክስሎቪድ ዝተዋህቡ ሰባት፡ ናይ ሆስፒታል ሕክምና ዘደለዮም ካብቶም ኣብቲ ናይ ቁጽጽር ምድብ ዝነበሩ 6.3% ዝኾኑ ሰባት እቶም 0.8% ጥራሕ ምዃኖም እዩ እቲ ናይ EMA መጽናዕቲ ዝሕብሮ። ካብቶም ናብ ሕክምና ኣትዮም ዝተሓከሙ፡ ሓደ’ኳ ዝሞተ ሰብ ከም ዘየለ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

 “ፓክስሎቪድ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ጽኑዕ መልከፍቲ ንዝርከቡ ሰባት ወሳኒ ዝኾነ ለውጢ ናይ ምምጻእ ተኽእሎ ኣለዎ” ክትብል ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ኮሚሽነር ጥዕና ዝኾነት ስቴላ ሺርያኪደስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ EMA ነቲ ብሜርክ ሻርፕን ዶህመ (Merck Sharp & dohme, MSD) ዝበሃል ኩባንያ ዝፈረየ ላጌቭሪዮ / ክላውድኡፒራቪር (Lagevrio/cloudupiravir) ዝባሃል ከኒና ናይ ምግምጋምን ምናልባት’ውን ኣፍልጦ ናይ ምሃብን ዕድል ከምዘለዎ ተፈሊጡ’ሎ።

ይኹን እምበር፡ ኣፍልጦ ረኺቡ ማለት እቲ ከኒና ናብ ኩሎም ኤውሮጳውያን ክባጻሕ ድሉው እዩ ማለት ኣይኮነን።

ፋይዘር ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ን 180 ሽሕ ዝኾኑ ሕክምናታት (treatment) ድልው ዝኾነ ከኒናታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብዚኦም እቶም 70 ሽሕ ዝኾኑ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ንክላኣኹ ዝተወሰኑ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ኩባንያ ኣብ ቀረባ እዋን ን250 ሽሕ ዝኾኑ ሕክምናታት (treatment) ዘገልግሉ ከኒናታት ድሉው ክገብር ተስፋ ከምዘለዎ ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com