Sunday , April 28 2024
Credit: Tomas Oneborg/SvD/TT

ኤጀንሲ ስደተኛታት፡ ምስ ዩኒቨርሲታት ሽወደን ብምትሕብባር ክሰርሕ ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ኤጀንሲ ስደተኛታት፡ ኣብ ሽወደን ትምህርቶም ዝከታተሉ ኣህጒራውያን ተመሃሮ ምስ ፍቓድ መንበሪ ብዝተሓሓዝ ዝፍጽምዎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምውጋድ፡ ምስ ዩኒቨርሲታት ሽወደን ብምትሕብባር ክሰርሕ ከም ዝደሊ ገሊጹ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ፡ ዩኒቨርሲቲ ሊንዬስ ኣብዚ ኣየት ድሕሪ ዝቐረበሉ ነቐፌታዊ ጸብጻብ፡ ን ተመሃሮ ናብ ሽወደን ቅድሚ ምእታዎም ብ “ኦንላይን” ቃለመሕትት ክገብረሎም ወሲኑ’ሎ።.

ኣህጒራውያን ተመሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲታት ሽወደን ንኽኣትዉ ናይ እንግሊዝኛ መርመራ ከም ረቛሒ ክወስዱ ይግባኦም ዶ ኣይግባኦምን ዝብል ሕቶ እውን ንገምጋም ቀሪቡ ምህላዉ–ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com