Saturday , April 27 2024

እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ክምደብ ዳግማይ ጻውዒት ይግበር

Credit: Samuel Steén/TT och Vahid Salemi/AP/TT

ኢራን ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ኣይሁድ ክትፍጽሞ ወጢና ተባሂላ እተጠርጠረትሉ ጒዳይ ምኽንያት ብምግባር “እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ” እታ ሃገር ኣብ ሽወደን ግብረሽበራዊ ትካል ተባሂሉ ክጽዋዕ ዳግማይ ጠለባት ይቐርብ ኣሎ። እቲ ሓላዊ ሰውራ ብድሕሪ እቲ ውዲት ቅትለት ከም ዘሎ እዩ ዝጥርጠር። “ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ። እቲ ውጥን እቲ ጉጅለ ግብረሽበራዊ ውድብ ዝብል ስያመ ንኽወሃቦ ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጉልሕ እዩ” ክብል ወሃቢ ቃል ፖሊሲ ወጻኢ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ሞርጋን ዮሃንሰን ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com