Friday , April 26 2024
Israeli Defense Minister Benny Gantz (AP Photo/Andrew Harnik) DCAH106

እስራኤል፡ ነቲ ናይ ፍሌስጢማውያን ”ገንዘብ ሰማእታት” ኣደስኪላቶ

መንግስቲ እስራኤል፡ ነቲ ብኣህጉራዊ ስምምዕ ዝጸደቐ፡ ካብ ኣታዊታት ቀረጽ እታ ሃገር ተኣኪቡ  ንፍሌስጤም ዝዋሃብ ዝነበረ ብስም “ገንዘብ ሰማእታት” ዝፍለጥ ክፍሊት ንኽትትግብሮ ፍቓደኛ ከምዘይኮነት፡ ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጣ ክብል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ክሳብ 597 ሚልዮን ሸከልስ (1.5 ቢልዮን ክሮነር) ዝኣክል ገንዘብ፡ ብጽሒት ናይቶም ምስቲ ምስ እስራኤል ኣብ ዝፍጸም ዘሎ ግጭት፡ ኣዝማዶምን ቤተሰቦምን ዝሞቱ፡ ዝቖሰሉን ዝተኣኣስሩን ስድራቤታት ምዃኑን፡ ኣብ ዓመተ 2020 ድም ንፍሌስጤም ዝተኸፍለ እዩ ብምባል ባይቶ ጸጥታ እስራኤል ምኽንያቱ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ቤኒ ጋንትዝ፡ ን ”ገንዘብ ሰማእታት” ኣመልኪቱ፡ እዚ ገንዘብ፡ ከም ምወላ ናይቶም ንእስራኤል ዘጥቅዑ ዘለዉ ግብረ ሽበራውያን እዩ ዝውዕል ዘሎ ክብል ድሕሪ ምግላጹ፡ ሰብ መዚ ፍሌስጤም ብወገኖም፡ እዚ ገንዘብ ኣብ ምሕጋዝ ናይቶም ግዳያት ግጭት ዝኾኑ ስድራቤታት ዝውዕል እዩ ክብሉ ብትሪ ነቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ነጺጎሞ።

እዚ መንግስቲ እስራኤል ምኽፋል ኣብያቶ ዘላ መጠን ገንዘብ፡ 7% ካብ ዓመታዊ ባጀት ፍሌስጤም ምዃኑን እዚ ውሳኔ ድማ ሽፍትነት እዩ ክብል ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለዉ ኣባላት ፒ ኤል ኦ (PLO’s) ዝኾነ ቃድሪ ኣቡበከር፡ ገሊጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com