Saturday , April 27 2024

እስራኤል ኣብ ቓዛ ዘካየደቶ ስርሒታት ተውሳኺ ተቓውሞ ኣስዒቡ።

Credit: Dave Russell

ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ ኣብ መኽፈቲ ቤተ መዘክር ናዚ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝኸደሉ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝዂንን ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ። ኣብ ጥቓ ሃገራዊ ቤተ መዘክር ናዚ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተኹሲ ደው ክብል ዝጽውዑ ደለይቲ ፍትሒ፡ እንተላይ ኣይሁዳውያን ተረኺቦም ኔሮም። ክልቲአን ባንዴራታት ፍልስጤምን እስራኤልን ብሰልፈኛታት ተታሒዘን ተራእየን እየን። ገለ ሰልፈኛታት ኣብ መካይን ፖሊስ ምድያቦም፡ ናብ ፖሊስ እንቋቑሖን ክድርብዩ ኣብ ዝጀመሩሉ ከኣ ካብ ኦሊስ ግብረመስልሲ ከም እተዋህቦም ማዕከን ዜና ሆላንድ ደ ቴለግራፍ ሓቢራ። ኣይሁድ ኣንጻር ምጽናት ዓሌት፡ ከምኡ ውን ወዲ ወዲ ሓደ ካብ ናዚ ዝደሓነ ሰብ ከምዚ ይብል: ናዚ ኣብ ቓዛ ትፍጽምዎ ቅትለት ደው ኣብሉ ዝብሉ ጭርሖታት ድማ ተጋዊሖም። እቲ ቤተ መዘክር ቅድሚ እቲ ብ 7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓማስ ን ሄርዞግ ከምዝዓደሞን ገሊጹ። ምዕዳም ሚስተር ሄርዞግ ሕቶታት ከለዓዕል ምዃኑ ግምት ከም ዝነበሮ እቲ በተመዘክር አሲኹ ገሊጹ’ሎ። ፕረዚደንት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ እቲ ቤተ መዘክር ብጽልኢ፡ ጸረ-ሴማውነትን ዓሌትነትን ዝተወልደ ራዕዲ ክዝክርዩ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com