Monday , April 29 2024
Italian dictator Benito Mussolini (AP Photo)

እታ ብዙሕ ዘይትፍለጥ ዝነበረት ጓል ሙሶሊኒ፡ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ

ጓሉ ንፋሺስት ውልቀ-መላኺ ዓዲ ጣልያን ነበር፡ ቤኒቶ ሙሶሊኒ፡ ኣብ መበል 99 ዓመታ ከም ዝሞተት ተፈሊጡ። ኢለና ኩርቲ፡ ኣብቲ ዝዓበየትሉ ገዛ ኣኳፔንደንተ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ከተማ እያ ህይወታ ብሰላም ዓሪፋ።

ኩርቲ፡ ኣብ ዓመተ 1922 እያ ካብ ውሽማ ሙሶሊኒ ዝነበረት፡ ኣንጀላ ኩቺያቲዮ፡ ዝተወለደት። እታ ጓሉ ነቦኣ ንመጀመርታ ግዜ ዝረኸበቶ ኣብ ሮማ ኣብ ዓመተ 1941 ምንባሩ መዛግብቲ ይሕብሩ። ካሊእ ጣልያናዊ በዓል መዚ ቅድም ክብል እቲ ናይ ኣቦነት ቦታ ዕላዊ ብዝኾነ መንገዲ ተረኪቡ ከምዝነበረ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኣብ ዓመተ 1945፡ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሓርበኛታት ጣልያን ድሕሪ ናይ ኣቦኣ ማእሰርቲ ስዒቦም ንባዕላ ንኢለና ኩርቲ’ውን ኣሲሮማ ከምዝነበሩ ዝዝከር’ዩ። ኣቦኣ ሽዑ ዝተቐትለ ኮይኑ፡ ኩርቲ ግና ድሕሪ 5 ኣዋርሕ ኣዲኣ ብዛዕባ ድሕረ-ባይታኣ ምስ ነገረታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐት ዝፍለጥ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ኩርቲ; ናብ ሃገረ ስጳኛ ብምኻድ ክሳብ ዓመተ 2000 ኣብኡ ከምዝነበረትን ድሕሪኡ ግና ናብ ሃገረ ጣልያን ናብታ ኣብ ሞንጎ ሮማን ፍሎረንስን እትርከብ ከተማ ኣኳፔንዳንተ ከምዝተመለሰት እዩ ዝፍለጥ። ኩርቲ ምስ ሓደ ኣብ ሓይሊ ኣየር ናይ ሓለቓ ሚእቲ ማዕረግ ዝነበሮን ኣብታ ፓንታሌሪያ ተባሂላ እትፍለጥ ደሴት ብዝነበሮ ተሳትፎ’ውን ሽልማት ምስ ዝረኸበ ኤንሪኮ ሚራንዳ ዝተባህለ ጣልያናዊ ሓዳር ገይራ ከምዝነበረት’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ቤኒቶ ሙሶሊኒ ካብ በዓልቲ ቤቱ ራኬለ ጉይዲ 5 ቖልዑት ከምዝነበሩዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እንተወሓደ ግና ካልኦት 4 ዝኾኑ ብወሰን ዝወለዶም ከምዝነበሩ እዩ ዝንገር። ሙሶሊኒ ንኢለና ኩርቲ ኣቦኣ ከም ዝኾነ ሓደ ማዓልቲ’ኳ ተኣሚኑ ከም ዘይፈልጥ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com