Tuesday , April 30 2024
The current restrictions are extended for two weeks but can begin to be phased out on February 9. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

እቶም ክቕጽሉ ተባሂሎም ዘለው ቀይድታት ኮቪድ፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም

ሮቡዕ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ሽወደንን በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደንን ብዛዕባ እቶም ዘለው ቀይድታት ኣንጻር ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19 ኣመልኪቶም ንተወሳኺ 14 መዓልታት ከምዝተናወሑ ኣፍሊጦም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቶም ንዝመጹ ክልተ ሳምንታት ክጸንሑ ተመዲቦም ዘለው ቀይድታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

እንድሕር እቲ ናይ መልከፍቲ ኩነታት ተማሓይሹ፡ እቶም ቀይድታት፡ ክሳብ ለካቲት 9 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ቀስ ብቐስ ክፏኸሱ እዮም። ክሳብ ሽዑ ግና፡ እዞም ዝስዕቡ መስርሓት ተግባራውያን ኮይኖም ክቕጽሉ እዮም።

–        ኩሎም ዕድሜኦም ንዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት፡ መጠን ኣብ ናይ ውሽጢ ገዛ ዝግበሩ ናይ ቀረባ ምትንኻፋት ክንክዩ፣ ናብ ዓበይቲ ውራያትን ናብ ተመሳሰልቲ ማሕበራዊ ንጥፈታት ምኻድን ክንክዩ ይግባእ። ብዛዕባ ካብ ገዛ ኰንካ ምስራሕ ዝዓይነቶም ቅድም ክብል ዝነበሩ ረቛሒታት፣ ጻዕቂ ናይ ሰባት ኣብ ዘለዎም ቦታታት ዘይምኻድ፣ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላው፣ ኣብ እዋን ጽቕጥቅጥ፡ ህዝባውያን መጓዝያታት ዘይምጥቃምን ዝብሉ ብቐጻሊ ዝትግበሩ ስጉምቲታት ኮይኖም ክቕጽሉ እዮም።  

–        ኣብ ባራት ክሳብ ለይቲ ምጽናሕ ኣይከኣልን እዩ። ቤት መስተታት ሰዓት 11 ናይ ምሸት ክዕጸው እዮም። ኣብ ሓደ እንግዶት ክርክርቡ ዝኽእሉ ናይ ኣጋይሽ ቁጽሪ ኮፍ ኢሎም ዝተኣናገዱ ብዝሖም 8 ጥራሕ ክኾኑ ኣለዎም። ኣብ ሞንጎ ሕድሕድ እኩብ ሰብ ድማ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቀት ክህሉ ኣለዎ።

–        ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝግበሩ ንጥፈታትን ናይ መስተይ ማይ ብርጭቆታት ብሓባር ምጥቃም ብዛዕባ ዝምልከቱ ምኽሪታት ክትግበሩ ኣለዎም። ብኻልእ ወገን፡ ስልጠናታትን ስፖርታዊ ውድድራትን ምስ ዝተወሰነ ሓደጋ ዝቕንሱ ረቛሒታት ክካየዱ ይኽእሉ እዮም።

–        20 ተሳተፍቲ ኣብ ዝርከቡዎም ህዝባዊ ኣኼባታትን ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝግበሩ ህዝባዊ ንጥፈታትን ኮፍ ኢሎም ክተኣናገዱ ዝኽእሉ ቁጽሮም ክሳብ 8 ጥራሕ ዝበጽሕ ሰባት እዩ ዝፍቀድ። ኣብ ሞንጎ ሕድሕድ እኩብ ሰብ ድማ ናይ 1 ሜትሮ ርሕቀት ክህሉ ኣለዎ። ልዕሊ 50 ሰባት ዘሳትፉ ንጥፈታት ናይ ክታበት ናይ ምስክር ወረቐታት ከምዘድልዮም እዩ። ይኹን እምበር ሃይማኖታዊ ንጥፈታት እንተኾይኖም እሞ ደው ኢሎም ዝሳተፉሉ እንድሕር ኮይኑ እዚ ረቛሒ ኣይምልከቶምን እዩ።

–        ልዕሊ 50 ሰባት ዘሳትፉ ካርኒቫላት ናይ ክታበት ናይ ምስክር ወረቐት ከድልዮም እዩ። ብተወሳኺ’ውን ንሓደ ሰብ ናይ 10 ትርብዒት ሜትሮ ቦታ ክህልዎ ይግባእ።

–        ንላዕለዎት ቤት ትምህርትታትን ከም ዩኒቬርሲቲን ኮለጃትን ንዝኣመሰሉ ትካላትን ነቲ ናይ ምልባዕ ሓደጋ ንምንካይ ተባሂሉ ብዝተወሰነ መልክዕ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክቕጽሉ ዝፍተን እኳ እንተኾነ፡ እዚ ግና ከም ናይ ምሉእ ግዜ ረቛሒ ክውሰድ የብሉን። ንኣብነት ከም ፈተና ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ብኣካል ኣብቲ ቦታ ምስቶም መልክፈቲ ንምክልኻል ክውሰዱ ዝግብኦም ናይ ጥንቃቐ መስርሓት ክትግበር ይግባእ። እዚ ምሕጽንታ ንኻልኦት ተማሃሮ ኣይምልከትን እዩ።

–       ነፍሲ ወከፍ ሰብ ርሕቀቱ ክሕልውን ሰብ ዝበዝሖም ቦታታትን ክወገድን ይግባእ።

–        ካብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ዝኽእሉ ከምኡ ይግበሩ። እቶም ናይ ግድን ብኣካል ተረኺቦም ክሰርሑ ዘለዎም ጥራሕ ናብ ቦታ ስርሖም ይኸዱ።

–        ኣብ ናይ ርሑቕ መንገዲ ዝግበሩ ጉዕዞታት፡ መንበር ዝሓዙ ጥራሕ እዮም ክጓዓዙ ዘለዎም።

–        ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ ርሕቀት ክሕሎ እንተዘይተኻኢሉ፡ ናይ ኣፍ ማስክ ምግባር ክቕጽል ይምከር።

–        ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ናይ ሰብ ዕልቕልቕ ንምውጋድ እንተወሓደ ንሓደ ሰብ ናይ 10 ሜትሮ ትርብዒት ቦታ ክህልዎ ዝገብር ረቛሒ ክህሉ ይግባእ።

–        ንባህላውን መዘናግዒ ንጥፈታትን ንሓደ ሰብ ናይ 10 ሜትሮ ትርብዒት ረቛሒ ክህሉ ይግባእ። ህጻናትን መንእሰያትን ብዝምልከት ንዝገበሩዎም ከም ስፖርታዊ ስልጠናታትን ውድድራትን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ግና እዚ ረቛሒታት ኣይምልከቶምን እዩ።

–        ተማሃሮ ቐዳማይ፡ ካልኣይ፡ ማእከላይን ላዕለዋይን ደረጃ ብዝምልከት፡ ብኣካል ተረኺቦም ኣብቲ ቦተኦም ክማሃሩ ምግባር መሰረታዊ መትከል እዩ። ይኹን እምበር ናይ መልከፍቲ ናይ ቁጽጽር ረቛሒታት ክትግበሩ ይግባእ። ንኣብነት ኣብ ደገ ክማሃሩ ዝኽሉሉ ኣጋጣሚ እንተሎ ከምኡ ብምግባር ናይ ውሽጢ ክፍሊ ምጽግጋዕ ዘምጸኦ ጸገማት ምንካይ ይከኣል። ብተወሳኺ ድማ፣ ዝተፋላለዩ ክፍሊታት ከም ዘይተሓዋወሱ ምግባር ነቲ ሓደጋ ክንክይ ዝኽእል መስርሕ ክትግበር ይግባእ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com