Monday , April 29 2024
Jo criticizes the social welfare committee in Södertälje. Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

እወ፡ ማሕበራዊ  ድሕነት፡ ሕጽረት ናይ መሰረታዊ ፍልጠት፡ ከምዘለዎ ተቓሊሑ

ሓንቲ ጓል 13 ዓመት ዝኾነት ምስ ሓደ ስድራ ትቕመጥ ዝነበረት ቆልዓ፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ዝተፋለጠቶ ሓደ ወዲ፡ ጾታዊ ርክብ ከም ዝገበረት ተፈሊጡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ተሓላቒ ናይ ሕጊ (Ombudsman for Justice-JO) ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል፡ ነቲ ኣብ ሶደርቴልየ ዝርከብ ቦርድ ማሕበራዊ ድሕነት (Social Welfare Board) ካልእ ይትረፍ ነቲ ኣብ ዓመተ 2020 ዝተኸሰተ ፍጻመ ኣመልኪቱ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ብዘይምቕራቡ ነቒፍዎ ከምዘሎ፡ SVT Södertälje ኣቃሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ጉዳይ ንፖሊስ ክበጽሕ ዝተገብረ’ውን፡ እታ ኣደ’ታ ጓል ብዛዕባ እዚ ፍጻመ ምስ ፈለጠት ንፖሊስ ስለዝተዛረበት ከም ዝኾነ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ። ቦርድ ማሕበራዊ ድሕነት ብወገኑ፡ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ ሓበሬታ ከምዝነበሮን፡ ይኩን እምበር ኣብቲ ፈለማ እዋን እቲ ወዲ ንባዕሉ ትሕቲ 15 ዓመት ከምዝኾነ እሞ ድማ ከምዚ እንተኾይኑ ‘ዝተፈጸመ ወንጀል’ የለን ዝብል ገምጋም ከምዝሓዘ እዩ ከም መካትዒ ነጥቢ ኣልዒሉ ዝካራኸር ዘሎ።

ምምሕዳር ቦርድ ማሕበራዊ ድሕነት፡ ሕጽረት መሰረታዊ ዝባሃል ገበናዊ ኣፍልጦ ምህላዉ፡  ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ እዩ” ክብል እቲ ተሓላቒ ትካል ስክፍትኡ ገሊጹ።

ብተወሳኺ’ውን እቲ ቦርድ ብዛዕባ ድልየታት ናይታ ቖልዓን ክግበረላ ብዛዕባ ዝግብኦ ሓገዝን ኣመልኪቱ ግቡእ ዝኾነ መርመራ ከካይድ ብዘይምኽኣሉ ንተወሳኺ ነቐፌታ ከምዝተቓልዐ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com