Sunday , April 28 2024
Foto: Annika Byrde / NTB

ኦስሎ ንሕግ ምርሕሓቕ ክተወግድ ትዳሎ።

ናይ ሕማም መልቀቒ ፍቓድ ካብቲ ለበዳ ንላዕሊ ዓብዪ ሽግር ኮይኑ ምህላዉ ሃሓፊ ቆንስል ከተማ ኦስሎ ሬይመንድ ጆሃንሰን ትማል ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ ነቲ ርሕቀትካ ምሕላው ረቛሒ ብምውጋድ ነታ ከተማ ክኸፍታ ድሉው ምህላዉ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ብመሰረት ጋዜጣ  VG መንግስቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ነታ ከተማ ክኸፍታ ብምባል ጋዜጣዊ ዋዕላ ኽዕድም ይዳሎ’ሎ።

“ገለ ሒደት ስጒምቲታት ይተርፋና ኣለዋ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ሕማም መልቀቒ ፍቓድ እዩ ካብቲ ለበዳ ንላዕሊ ዝዓበየ ሽግር ኮይኑና ዘሎ ” ክብል ጆሃንሰን ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃባ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ሰባት ኦስሎ ተኸፊታ ካብቲ ርሕቀትካ ምሕላው ዝብል ሕጊ ክናገፉ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ምህላዎም እምንቶ ከም ዘለዎ እውን ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግና እዚ ብሕማም ምኽንያት ዝግበር ዘሎ ብኲራት ኣብ ቀጻሊ ሽግር ይእክበልና ኣሎ ዝብል ሻቕላ ከም ዘለዎ ከየጠቐሰ ኣይሓለፈን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com