Sunday , April 28 2024

ኦስተርሹንድ፡ ክልተ ሰባት ብሓደጋ ባርዕ ሞይቶም

ትማሊ ንግሆ፡ ኣብ ሰሜን ሽወደን ዝርከብ ኣብ ኦስተርሹንድ ዝተባህለ ከባቢ፡ ሓደጋ ባርዕ ብምኽሳቱ ከም ሳዕቤኑ ድማ ክልተ ሰባት ምሟቶም ፖሊስ ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ።

እቲ ባርዕ ክሳብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ይቕጽል እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወን ናብ ካልእ ህንጻ ንኸይላባዕ ሓደጋ ከምዘየለን ኣባላት ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ክሳብ ሎሚ ንግሆ ክጸንሑ ምዃኖም ሓላፊት እቲ ኣሃዱ፡ ክሪስቲና ሄንሪክሶን፡ ገሊጻ።

ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ሰዓት 7 ናይ ንግሆ ሓበሬታ ምስ ረኸቡ ተቐላጢፎም ነቶም ነበርቲ ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ካብ ኣባይቶም ከም ዝወጹ ገይሮም። ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ባርዕ ብኸመይ ከምዝጀመረ ዝተፈልጠ ነገር የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com