Tuesday , April 30 2024
Austrian Chancellor Karl Nehammer (AP Photo/Lisa Leutner) LIL112

ኦስትሪያ፡ እገዳታት ተፏኹስ

ኦስትሪያ፡ ናይ ኮሮና ቫይረስ እገዳታት ናይ ምፍዃስ ውጥናት ከምዘለዋ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብ ዕለት 5 ወርሒ ለካቲት፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ክሳብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ጥራሕ ክፉታት ኮይኖም ዝጸንሑ ኣብያተ መግቢታት፡ ሕጂ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ክኽፈቱ ከም ዝኽእሉ ተፈሊጡ’ሎ።

ብተወሳኺ’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ንምንቅስቓሳት ናይቶም ዘይተኸተቡ ሰባት ተኣዊጁ ዝነበረ እገዳ ደው ክብል ከም ዝግበር ተፈሊጡ’ሎ። ካብ ለካቲት 12 ጀሚሩ፡ ናብ ድኳናት ንምኻድ ዝሕተት ዝነበረ ናይ ክታበት ወረቐት ወይ ድማ ነቲ መልከፍቲ ከምዘሕለፍካ ዝድለይ ዝነበረ ረቛሒ ዝተለዓለ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ከኣ ንዝኾነ ይኹን ክትባት ንዝወሰደ፣ ኣንጻር እቲ መልከፍቲ ተመርሚሩ ኣሉታዊ መልሲ ዝተዋህቦን ኣብ ቀረባ እዋን እቲ መልከፍቲ ከምዘሕለፈ መርትዖ ከቕርብ ንዝኽእልን ናብ ቤት መግብታት ከይዱ ክጥቀም ከምዝኽእል መንግስቲ ኣፍሊጡ’ሎ።

ቅድም ክብል ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ቻንሰሎር ካርል ኔሃመር፡ ዋላ’ኳ ዝለዓለ መጠን ናይ መልከፍቲ ይመዝገብ እምበር፡ ናብ ሆስፒታላት ኣትዩ ዝሕከም ቁጽሪ ናይ ተሓከምቲ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ ብምሕባር እዩ ንቕቡልነት እዚ ናይ ምፍዃስ ውሳኔ ምኽንያት ዝሃበ። ካብቲ ዝሓለፈ መዓልቲ ጀሚሩ 34,748 ዝኸውን ሓድሽ ናይ መልከፍቲ መጠን ከም ዝተመዝገበ ተፈሊጡ’ሎ።

ባይቶ ኦስትሪያ፡ ካብ ለካቲት 1 ጀሚሩ፡ ንልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት ግዴታዊ ዝኾነ ክታበት ከተኣታቱ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com