Friday , May 10 2024

ከቢድ ናይ ተዂሲ ምልውዋጥ ኣብ ቴንስታ

ኣብ ቲነሰታ( ሰሜን ስቶክሆልም) ዝሓለፈ ሰሉስ ከቢድ ናይ ተዂሲ ምልውዋጥ ምንባሩ ግና ምንም ዝተጐድአ ሰብ ከምዝየለ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ፖሊስ ኣብ ከባቢ ሰዓት 12፡30 ሓደ መንበሪ ኣፓርታማ ነበርቶም ዕላማ ዝገበረ ነዊሕ ተዂሲ ተጌሩ።

እቲ ጠያይቲ ብመሳዂቲ እቲ ኣባይቲ ሓሊፉ እዩ ግና ማንም ዝተጉደአ ኣይነበረን። ፖሊስ ነቲ ኲነታት ድሕሪ ምምርማር ፈተነ ቅትለት ከም እተፈጸመ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

“መንዩ ዕላማ እዚ መጥቃዕቲ ኔሩ ብቕዓት ተዂሲ እቲ ብረት ከ ከመይ እዩ ኣብ ዝብል ዛጊት ዝፈለጥናዮ ነገር የብልናን” ትብል በዓልቲ መዚ ፖሊስ ሲልቪያ ኦልደን።

” ዛጊት ዝተታሕዘ ጥርጡር የለን”።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com