Thursday , May 9 2024

ከተማ ስቶክሆልም ከቢድ ስግኣት ለበዳ ይጽበያ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ቆንስል ዞባ ብዛዕባ እዚ ቅልውላው ኣመልኪቱ “ደልሃመት ዝመልኦ ግዜ እዩ ዝጽበየና ዘሎ ኢሉ”። ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ ህዝቢ ስቶክሆልም” ጸልማት መዓልታት” ክህልዋኦ እየን ክትብል ሓላፊት ቆንስል ዞባዊ ፋይናንስ ኣይሪን ስቨኖይስ ኣብ ሆስፒታል ኣልቭስዮማሰን ኣ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። ኣብ ዝቕጽል ሾብዓተ መዓልታት ስሩዕ ሕክምና ሆስፒታላትን ጽዑቕ ሕክምናን ብዕጽፊ ምዕባዩን ሕክምና ዓቕሙ ክውስኽ ምግባሩን ተገሊጹ።

ኣብ ዝመጻ ሳምንቲ ዓቕምና ብሰለስተ ዕጽፊ ከነዕብዮ ክንጽዕር ከድልየና እዩ ክብል ዳይረክተር ጥዕና ብዦርን ኤሪክሰን ሓቢሩ። ኲልና ከም ሓደ ሰብ ኴንና ነዚ ሕማም ክንቃለሶ ከድልየና እዩ ቈንስል ዞባዊ ጥዕና ኣና ስታርብሪንክ ኣመልኪታ። ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ኣልቭስዦ 600 ሕሙማት ክቕበል ድሉው ምህላዉ ድማ ተገሊጹ።

ምንጪ፣ https://omni.se/


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com