Wednesday , May 8 2024

ኩሉ ሽወደናዊ ዜጋ ክኸውን ዝደሊ ሰብ፡ ምእንቲ ሃገር ህይወቱ መስዋእቲ ምግባር ክሓስበሉ ይግባእ ተባሂሉ

Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ ዋዕላ ምክልኻል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሉ ሽወደናዊ ዜጋ ክኸውን ዝደሊ ሰብ፡ ምእንቲዛ ሃገር ህይወቱ መስዋእቲ ምግባር ክሓስበሉ ይግባእ ኢሉ። መራሒ ሰልፊ ዓቃባዊ ሞደራትና ክሪስተርሾን ብወገኑ ብቕድሚ ትማል ሶኑይ ኣብ ዓመታዊ ዋዕላ ምክልኻል “ፎልክ ኦክ ፎርስቫር” ኣብ ዝሃቦ መደረ ጒዳይ ዜግነት ኣልዒሉ’ሎ። “ኣብ ኲናት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሃብቲ ሓንቲ ሃገር፡ ህዝቢ ንነብሱ ንምክልኻል ዘለዎ ሓባራዊ ድሌት ምዃኑ ካብ ዩክሬይን ግርም ምህሮ ወስዲና ኢና” ክብል ንተሳተፍቲ ኣብ ዘስምዖ መደረ ገሊጹ። “ንሕና’ውን ምስ ዜግነት ሽወደን ዝመጽእ ግደታታት ክንዛተየሉ ክንጅምር ኣሎና። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ንሽወደን፡ ክብርታትናን ኣገባብ መንብሮናን -ብኣጽዋርናን ህይወትና ክንከላኸል ዘሎና ምዃኑ እዩ ። ዜግነት ናይ መገሻ ሰነድ ጥራይ ኣይኮነን” ኢሉ። ሚኒስተር ሲቪል ምክልኻል ሽወደን ካርል-ኦስካር ቦሊን ብወገኑ “ኣብ ሽወደን ኲናት ክህሉ ይኽእል’ዩ” ድሕሪ ምባል እታ ሃገር ንኽልተ ዘመናት ኣብ ሰላም ሰላም ጸኒሓ ማለት ካብ ኲናት ይከላኸለላ ማለት ኣይኮነን ክብል ኣተሓሳሲቡ። ድሕሪ እቲ መደረ ክሪስተርሾን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ “ዜጋ ሽወደን ምዃን ንእሽቶን ወግዓዊን ጉዳይ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣዝዩ ዓቢ ነገር’ዩ። ምስ ሓንቲ ሃገር ናይ ተኣማንነት ምትእስሳር ምፍጣር እዩ፥ እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክትገብርን ነዛ ሃገር ክትከላኸልን እውን ክትክእል ኣለካ ማለት እዩ” ምባሉ ጋዜጣ ስቨንስካ ዳግብላዴት ጠቒሳቶ’ላ። “ንስኻትኩም ኢኹም ንዲሞክራሲ፡ ናጽነትን ምሕደራን ሽወደን ትዕቅቡ። ከምኡ ክትገብሩ እንተዘይደሊኹም ሽወደናዊ ዜጋ ክትኮኑ የብልኩምን” ክብል ኣስዒቡ ገሊጹ’ሎ። ኣብ መንጎ ዜጋታት ሽወደን ኮይኖም ዝውለዱን ድሒሮም ዜጋታት ዝኾኑን ብመንጽር’ቲ ንሽወደን ንምክልኻል ዘለዎም ድልውነት ፍልልይ ይህሉዶ ክብል ንዝቐረበሉ ሕቶ “ፓስፖርት ሽወደን ንብዙሓት ሰባት ብቐሊሉ ምንቅስቓስ፡ ካብ ሽወደን ቆንስላዊ ሓለዋ ምርካብ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። እንተኾነ ግና ኩሉ ሰብ ብዛዕባ’ታ ዜጋ ዝኾንላ ሃገር ህይወቱ እውን ንኽስውእ ድሉው ምዃን ዝብል ክዉንነት ሓሲቦምሉ ይፈልጡ ድዮም ርግጸኛ ኣይኮንኩን” ምባሉ “ስቨንስካ ዳግብላዴት” ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com