Saturday , April 27 2024
This photo shows some Islamic State group fighters, who surrendered after clashing with Kurdish-led Syrian Democratic Forces, at Gweiran Prison, (Kurdish-led Syrian Democratic Forces, via AP) XHM109

ኩርዳውያን ሓይልታት፡ ኣብ ከበባ ኣትዩ ዝነበረ ቦታታት፡ ተቖጻጺሮም

ብኲርዳውያን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጥምረት፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዝርከብን ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ምሉእ ከበባ ዳዕሽ ኣትዩ ዝነበረን ቤት ማእሰርቲ፡ ዳግማይ ከም እተቘጻጸሮ ገሊጹ።

ኣፈኛ ናይዚ ብኣመሪካ ዝሕገዝ ጥምረት ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ፡ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፡ ኲሎም እቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዓሪዶም ዝነበሩ ኣባላት ዳዕሽ ኢዶም ከም ዝሃቡ ኣመልኪቱ’ሎ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣማኢት ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት፡ በዚ ከበባ ኣብ ከቢድ ጭንቂ ኣትዮም ምንባሮም እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ። ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ዳዕሽ ንኣባላቱ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ንምፍታሕ ኢሉ ብዝገበሮ ስርሒት 181 ዝኾኑ ሰባት ከም እተቐትሉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽሩ ኣእትይዎ ምህላዉ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደብሩ ሓደ ናይ ምክትታል ጒጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ’ሎ። እዚ ይዂንምበር ገለ ኣባላት ዳዕሽ ኣብ ዋህዮታትን ገና ዘይተፈተሸ ክፋል እቲ ቤት ማእሰርቲ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ እቲ ጒጅለ ኣጠንቂቑ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com