Tuesday , April 30 2024

ኩባንያ ስካንያ፡ 300 ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ክቖጽር መዲቡ

ዋላ’ኳ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው እንተሃለወ፡ ዓርሞሾሽ ኩባንያ ስካንያ፡ ንጠለባት ዓማዊል ንምምላእ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ክቖጽር መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ሶደርቴልያ ዝርከብ ዝዓበየ ጨንፈር ኩባንያ ስካንያ፡ ኣስታት 300 ዝበጽሑ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ክቖጽር መዲቡ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብዙሓት ዓማዊል፡ ካብ ኩባንያ ስካንያ፡ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ክገዝኡ ጠለብ ብምቕራቦም እዩ። ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ናይዚ ዘለናዮ ዓመት ዝተራእየ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ እዩ ነይሩ ክብል፡ ኩባንያ ስካንያ፡ ገሊጹ።

ኣብ ኦስካርስሃመን ዝርከብ ጨንፈር ኩባንያ ስካንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ፡ 50 ዝኾኑ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት፡ ቆጺሩ ምንባሩ ይዝከር።

ኩባንያ ስካንያ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ሽወደን ኮይኑ፡ 19 ሽሕ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኣለዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com