Monday , April 29 2024

ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ሓቐኛ ዛንታ: ዓባይ በጊዕ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

 “ነቲ ሕማቕ ስዒበዮ!” ብስንባደ ነቲ ናታ ቃል ደገምክዎ።
 “እወ!… ክገርመካ ‘ዓባይ በጊዕ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ’ዩ’ ነገሩ። ኣነ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡  እዛ ሓፍተይ ምስ ክልተ ደቃ ኣብ ዓሰብ ንእሽተይ ዱኳን ትኸፍት። ንማለቱ ድኣ’ያ ዱኳን ከፊታ እንበር፡ ንሳስ ነቲ ናይ ደገ ደገ ወልፋ ተሃና ከተውጽእ’ያ ደልያ እየ ዝብል። ብዝኾነ ንዓይ ክትሕግዘንን ቘልዑ’ውን ክትሕዘለይ፡ ብኡ ገይርኪ ድማ ጉዳይ ትምህርትኺ ትገብሪ ኢላ ሒዛትኒ ከይዳ። ኣነ ኣብ’ዚ  እዋን ጓል ዓስርተ ሽውዓተ ዓመት’የ ነይረ። ናይ ነገር ንእስነት ብዘይ ውዓል ሕደር ተበጊስ። ንኸተማ ዓሰብ ኣይጸላእክዋን፡ ንሓፍተይ ግና ጸሊአያ። ኣብ ትምህርተይ ክሓምቕን ክድሕርን ጀሚረ። ምስ ዝተፈላለዩ ደቂ-ተባዕትዮ ክርእያ ከለኹ፡ ‘ዘይፍትኖ’ኸ’ ዝብል ኣጉል ሓሳብ ክሓስብ ጀሚረ። ሓደ ዓርኪ ድማ ክህሉወኒ ብሂገ። ዓቢ ሰብ ምኽሪ ይልግስ፡ ብዛዕባ ነብሱ ጥራይ ዝሓስብ ግና…. ብዝኾነ ከም ትምኒተይ ምስ ሓደ ወዲ ተላልየ ፍቕሪ ጀሚረ። ሓፍተይ ኣብ ካልእ ስለዝነበረ ኣእምሮኣ ንዓይ ዝኸውን ግዜ ኣይነበራን። ፍቕሪ መቐረቱ ምስ ኣስተማቐርኩዎ ደስ ክብለኒ ጀሚሩ። ከይተረድኣኒ ድማ ኣብ ናይ ሓፍተይ ታኼላ ክሽመም ጀሚረ። እታ ናይ ፈለማ ናብ ጽላለ ዝመርሓትኒ መንገዲ ድማ እዚኣ’ያ።” ንሕሉፍ ግዲ ዘኪራ፡ ኣዒንታን ቆላሕታኣን ናባይ ልኣኻ። ብሓደገኛ ኣገባብ ጒዕዞ ከም ዝጀመረት’ውን ዝበርሃላ መሰለ። እቲ ድንግርግር ዝበለ ህይወታ ድማ ካብዚ እዩ ዝጅምር።

“ቀጽሊ በሊ…” ዝንታኣ ሰበርኩዎ።
“በቃ! ነብሰይ እናረኣኹዋ ናብ ጸድፊ ክትዘልል ተፈለጠኒ። ነብሰይ ኣልዒለ ድማ ሰሓቢት ኣብ ምግባራ ኮነ ስርሐይ። በዚ ምኽንያት ትምህርተይ ሓሚቐ ተረፍኩ። እዚ እቲ ሓደ ውድቀት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ሓፍተይ ብስንኪ ሰንኮፍ ኣተሓሕዛኣ ኩሉ ነገር ፋሕፋሕ ስለ ዝበላ፡ ጠፊሻ ብዘይ ዋላ ሓደ መኽሰብ ተረፈት። ብዕብዳን ዝርከብ’ውን የለን፡ ሰብ ክብሩ ሓልዩ እንተኸይዱ’ዩ ዕዉት ዝበሃል። ሓፍተይ ድማ ክብራ ሸይጣ ብዘይ ዋላ ሓንቲ’ያ ናብ ኣስመራ ዝተመለሰት፡ ኣነ’ውን ምስኣ። እንድዒ ወደይ ሰብ ኣስፊሑ ዘይሓስብ እንተኾይኑ መወዳእታኡ ውድቀት’ዩ። ሓፍተይ ድማ ኣብ መወዳእታኡ’ስ፡ ሰብ ብስራሕን ጻዕርን ከም ዝሓልፈሉ ፈሊጣ፡ ናብ ስራሕ ዓለም ተዋፊራ። ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ከም ተሓዚት ሕሳብ (ካሸር) ተቖጺራ ክትሰርሕ ምስ ጀመረት፡ ገንዘብ ሓላል…  ከም ዝበሃል ብርኡይ’ያ ተዓርያ። ሓደ ዘይዕረ ነገር ግን ገዲፋ፡ ንዓይ…።” ርእሳ ኣድኒና ተመጣልዐት። 
“እሂ ዮሃና ትምህርትኺ ኣይቀጸልክዮን ዲኺ?” ብትምህርታ ኣመኽንየ ኣቐጸልኩዋ።
“ትምህርተይ ደኣ ቀጺለዮ እምበር። ግና ኣነ’ውን ደገደገ ምባል ለሚደ፡ ካብ ዓሰብ እናመጻእና ከለና ዝተላለኹዎ ተሓዚ ገንዘብ (ፎቶሪኖ) ምስኡ ክዘውር ስለዝጀመርኩ፡ ዳርጋ ካብ ዝመሃሮ ዘይምሃሮ’ዩ ዝበዝሕ። ቁምነገር ዘለዎ ዙረት ከይመስለካ፡ ንቑም ነገር ዝዓለመ ነይሩ እንተዝኸውን ንኽልቴና ጽቡቕ ምኾነ። እዚ ግና ስቕ ኢልካ’ዩ ዕድመኻን ግዜኻን ዘጥፍእ ኮለል’ዩ፡ ረብሓ ዘይብሉ። እዚ’ውን መሰረቱ ግዲ ዘይጸበቐ ኮይኑ ኣብ ሓጺር ግዜ ኢና ተፈላሊና። ቀልጢፈ ድማ ምስ ካልእ ወዲ ርክብ ጀሚረ፡ እዚ’ውን ንሓጺር እዋንን ዕላማ ዘይብሉን’ዩ። በቃ ምስ’ቲ ሻሂ ትሰቲ፡ ምስቲ’ቲ ሓደ’ውን ከምኡ፡ ዓባይ ሓፍተይ ድማ፡ ‘ዘይንሕናስ ብኡ ኢና ሓሊፍና’ እናበለት ዲል ትህበኒ ብምንባራ፡ ናጻ ኮይነ’የ ሸንኮለል ዝብል ነይረ። ረብሓ ዘይብሉ ግዜኻ ብኸንቱ እተጥፍኦ ኮለል. . .”
 “ትምህርትኺኸ?” ብዛዕባ ትምህርታ ምዕላል ስለ ዝገደፈቶ፡ ከዘኻኽራ ደለኹ።
 “ኣእምሮይ’ሞ ጠቕሊሉ እንድዩ ካብ ትምህርቲ ርሒቑ። ግና ተማዊተስ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ በጺሐ’የ። እዚ ክብለካ ከለኹ ግና፡ ንግዜ ሽግር ከሳሲ ዝኽእል ብቕዓት’ውን ዝወነንኩ ኮይኑ ይስማዓኒ የለን። ብግቡእ ኣይተኸታተልኩን። ኣብ ከም’ዚ ሃዋሁ ከለኹ’የ ድማ ምስ ሓደ ለባም ሰብ ዝላለየልካ። ንሱ ተኽለብርሃን’ዩ ስሙ። ኣብ ስርሑ ትጉህ፡ ፈታውን ሓጋዝን ሰብ’ዩ። ካብ’ታ ዝተላለኹዎ እዋን ጀሚረ ብጣዕሚ’የ ፈትየዮ። ንኹሉ እዚ ከዕልለካ ዝጸናሕኩ ዛንታይ ቀቢረ ድማ ቀሪበዮ። ተኽለብርሃን ካብ ጸወታ ዝያዳ ኣብ ቁም-ነገር ዘድህብን፡ ሰሪሑ ክሓልፈሉ ዝጽዕርን ሰብ’ዩ። ኩሉ ዕላሉ ብማዕዳ ዝተሰነየ ብምዃኑ፡ ንዓይ ንምሕጋዝ’ዩ ካብ ፈለማ ተበጊሱ። እንተኾነ ኣነ ክሕግዞ ኣይከኣልኩን። እናፈተኽዎ ስቕ ኢለ ላዕሊ ላዕሊ ይጥምት። ካልኣይ ድማ እዚ ኹሉ ብሰባት ፍቱው ከሎ፡ ኣብ ዝኸድካዮ ቦታ ሕማቕ ናቱ ክዕለል ይጸንሓካ። በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ምውሳን ስኢነ ላንጋ ላንጋ ኮይነ። ኣብ መወዳእታ ግና .. .” ጐረሮኣ ተለኺቱ ምዝራብ ሰኣነት።
 “ተፈላሊኹም ዲኹም?” 
መልሳ እናጠመትኩ ከለኹ፡ “ካብ ተኽለብርሃን ድቂ ሒዘ። ሓጺር ሓሳብ እናሓሰብኩ ዘይናተይ እናጠመትኩ ክጭቕጭቖን ንቑም ነገሩ ከናሽዎን ጀሚረ። ኣነ ደገ ወጺእካ ምዛር ይፈቱ ንሱ ገንዘብ ምቕማጥ ይፈቱ። ክገርመካ ብዙሕ ጽቡቕ ነገር’ዩ ዝገብረለይ፡ ኣነ ግና ልዕሊኡ ይደልን ዘይናተይ ይጥምትን። ኣብ መወዳእታ ነብሰ ጾር ከለኹ ተፈላሊና፡ ግዲ ልቡ ጎዲአዮ ጠቕሊለ ካባይ ተፈልዩ። እዚ ኹሉ ፋይዳ ዘይብሉ ኮለለይ ድማ መወዳእትኡ ውላድ ሒዙ ልክዕ ከም ሓፍተይ በቲ ቅኑዕ መንገዲ መሪሓትኒ ነይራ እንተትኸውን ኣብ’ዚ ኹሉ ኣይምበጻሕኩን። ንሓደ ሰብ
እንታይ ኢኻ ተሕልፈሉ ክትፈልጥ ይግባእ። ብዓቢ’ውን ካብ ዕብዳን ዝዓቢ ክሳራ የለን፡ ኣይ ብትምህርቲ ኣይ ብሞያ ካብ ኩሉ ኢኻ ብላሽ ትተርፍ። ሕማቕ ሰብ ሕመቑ ናብ ሰባት’ዩ ዘጸግዖ። ኣነ ድማ ሕምቀተይ ነቲ ሕሉፈይ ደምሲሰ ንተኽለብርሃን’የ ከጸግዓሉ ፈቲነ። ግና እቲ ሕሉፈይ’ዩ መሰረቱ፡ ገና ካብ ፈለማ እንተዝጥንቀቕ ነይረ፡ ኣብ’ዚ ኹሉ ኣይምወደቕኩን። ተኽለብርሃን ደኣ ሰብ ክቕይረኒ ክንደይ ዘይጸዓረ፡ ግና ንእስነቱ ካብ ዝባነይ ምውራድ ስለ ዝኣበየ፡ ምስ’ዚ ኹሉ ጻዕሩ ዘይንሰይ ክመስልን ደገ ደገ ክብልን ዋላ ንዕኡ ከም ዝኸሰርኩ ሕጂ ምረት ምስ መሃረኒ ተረዲኡኒ። ኣብ’ቲ ፈለማ ጒዕዞ ዕብዳነይ ሽዑ’ዩ ነብሰይ ክገትእን ትምህርተይ ክገብርን ዝግባኣኒ ነይሩ። ሽዑ መንገደይ ዘየጸበቕኩ ሕጂ ንተኽለብርሃን ምኽሳረይን ምውንጃለይን ኣጣዒሱኒ። ኣብ ዳየሪ ምጽሓፍ ሕጂ ጀሚረ፡ ክጽሕፎ ዝግባኣኒ ድማ ናይ ቀደም ዓበድበደይ’ዩ። ከምኡ’ውን ሓፍተይ ዝመርሓትኒ ግጉይ መንገዲ…. ዓባይ በጊዕ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ ድማ ናተይ ኣብነት ኮይኑ። ሰኣን ትጋገዪ ኣለኺ ዝብል ሰብ፡ ጌጋ ጌጋ ወሊዱ ሩፍታይ ተዘሪገ። እምበር፡ እንታይ ኣለኒ ዘይዓይነይ ዘጠምት…” ብምባል ንጌጋኣ እናደጋገመት፡ ነቲ ዘይምለስ ምዃኑ ዝኣመነትሉ ሕሉፍ ካልኦት ከይደግምዎ ተላብያ።
                                                                     ***


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com